1 ናይ ሐርበኛታት ደቀቅቲ ንግዲ ትካላት ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ምዝጋበ ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል
4 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ናይ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓም ሒሳብ ዝገበርሉ መረደእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
5 መለለይ ቁፅሪ ከፋልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል ብተወሳኪ ብቅዓት መረጋገፂ ከቅርብ ዝክእል
6 ተጫረቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ቀረብ መሰተ ማይ ናይ መስተ ማይ ዲስትሪክሽን ሲሰተም መዓደሊ ናቁጣ ዋተር ፖይንት ደቀቅቲ ንግዲ ትካላት ብናይ ማይ ፍቃድ ዘለዎም ትካለት እንትከዉን ነዚ ሰነድ መግዝኢ ድማ 300 ብምክፋል ካብ ወረዳ ሰብዓ እንደርታ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ፋይናንስን ቤት ፅሕፈት ቁፅሪ 4 ምዉሳድ ይከኣል
7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ፋይናንሻል ክመልእ በቢ ክልተ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ብምዕሻግ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ሽም ኣድራሻ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ
8 በተወሳኪ ድማ ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ጠቅላላ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምጥቅላላ ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንደቅ ይኣትዉ
9 ብተወሳኪ ድማ ዋና ምስ ቅዳሕ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን
10 እቲ ፖስታ ኣብ ላዕሊ ብማርከር ዓይነት ዝተገዘ ሰነድ ክፃሐፈሉ ይግባእ እዚ ንዘይገብሩ ተጫረቲ እቲ ጨረታ ተቀባልነት ኣይህለዎን
11 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ 15000 ቅርሺ ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
12 ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 13/5/2018 ዓም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝክአል ኮይኑ ዕለት 29/5/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ሰዓት ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከለቶም አብ ዝተረክበሉ ይክፈት
13 ዝሰዓረ ኣካል ዝፈለዩሉ ንዝትሓተ ጠቅላል ስራሕቲ ብናይ ደኣንት መምርሒ ተሰሪሑ ዝተሐተ ዋጋ ዘቅረበ ሰዓሪ ይከዉን
14 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ዋጋ 1 ሚእታዊ ዉዕሊ ስፒኦ አስሪሑ የትሕዝ
15 ቤት ፅሕፈትና 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
16 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
እቲ ዝሰረሐሉ ቦታ ጣብያ ለምለም ቁሸት ልሓማ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342400403
ድሕሪት