ምልክታ ጨረታ ሓፈሻዊ ሓለዋ(ጥበቃ)
ደስታ ቢዝነስ ግሩፕ ትካላትና ማለት እውን ደስታ በርሀ ኣሕምልትን ፍራምረን ሕርሻን ኖቤል ትሬዲንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ኣሕምልትን ፍራምረን ሕርሻን ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣቢያ ካራ ዓዲ ሻዎ ቁሸት ኣራዳ ማንጉዶ ብቁዕ ሓይሊ ሰብን ዘተኣማምን መሓውር ንዘለዎም ሕጋውያን ናይ ሓለዋ ትካላት ሙሉእ ሓላፍነት ብምሃብ ውዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡ ስለዚ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሱ ኣድላይ ረቓሒታት እታማልኡ ትካላት ኽትጫረቱ ብኽብሪ ንዕድም።
ተደላዪ ረቋሒ
• ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእል
• ቲን ቁፅሪ ከቕርብ ዝኽእል
• ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእል
• ናይ ሳልሳይ ወገን ሓለዋ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእል
• ኣብ ካልኦት ትካላት ናይ ሓለዋ ስራሕቲ ዝሰርሐ ምኳኑ መረጋግፂ ናይ ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል
• ናይቲ ትካል መንበሪ(መቐመጢ ኣድራሻ) ኣብ ደቡብ ትግራይ እንተኾይኑ ይምረፅ ናይ ውሕስና(ኢንሹራንስ) መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል
• ንዝህቦ ናይ ሓለዋ ግልጋሎት መትሓጃ ዘቅርብ
• ኣብቲ ዝተጠቐሰ ናይ ልምዓት ከበቢ ንምሕላው ድሌት ዘለዎን ክሕልው ዝኽእልን መተሓሳሰቢ
✓ ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብዝወፀሉ ዕለት ንተኸታታሊ 5 ናይ ስራሕ ማዓልቲታት ይጠናቐቕ
✓ ኣድራሻ ኣብ ከተማ መቀለ ደስታ ቢዝነስ ግሩፕ ዋና ቢሮ ጥቃ ክ/ከተማ ዓዲሓቂ ምምሕዳር ስልኪ 0909361414/ 0711120242 ብተወሳኺ ድማ ከተማ መኾኒ ማእከል እታዎታትን ግልጋሎትን ሕርሻ ስልኪ ቁፅሪ 0711120230 እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ መረዳእታታት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ፎቶ ኮፒን ኦሪጅናልን ዘቅርቡ ኮይኖም ትካልና ብሙሉእ ይኹን ብክፋል እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ ሕጋዊ መሰሉ ዝተሓለወ ምዃኑ ንገልፅ፡፡
✓ ጨረታ ዕለት 12/6/2018 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ተዓፅዩ ዕለት 13/6/2018 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ይኽፈት
✓ ናይቲ ጨረታ ስዓራይ ካብቲ ዝተለጠፈሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 3 ማዓልቲ ስራሕ ክጅምር ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ።