1ናይ 2017 ዓም ግብሪ ዝከፈለን ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰ
2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎን ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክልእ
3 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝከዉን ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ 50000 ከትሕዝ ዝክእል
5 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ማይ ቅነጠል ቁፅሪ ክፍሊ 03 ካብ 6/4/2018 ዓም ክስብ 21/4/2018 ዓም አብ ዘሎ ሰዓት ስራሕ ምዉሳድ ትክእሉ ኢኩም
6 ኣብ እዋን ጨረታ ዘዛበዓን ከዛብዕ ዝፈተነን ካብ ጨረታ ይስረዝን ብሕጊ ተሓታቲ ይከዉን
7 ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ድሐሪ ሰለሰተ መዓልቲታት ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ክእስረ አለዎ
8 ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ክፍሊት ምፍፃሙን ንብረት ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲታት ስራሕ ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ ካብቲ ቦታ አልዒሉ ክወስድ ዝክእል
9 ኣብ ዝርዝር ጨረታ ቅሬታ አለኒ ተወዳዳራይ ኣብ ዉሸጢ ሰለሰተ መዓለቲ ስራሕ ጥራሕ ቅሬታ ከቅርብ አለዎ
10 ተጫረቲ መወዳደሪ ቅጥዒታታት ብዝግባእ ብምምላእ ደጋፊ መረዳእታ ምስ ዋና ብምትሕሓዝ ፋይናንሻል ዋጋ መወዳደሪ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ብዝግባእ ናይ ተጫረቲ ስም ኣድራሻ ፊርማን ማህተምን ዓሪፍዉ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ማይ ቅንጣል ቁፅሪ ክፍሊ 03 ክሳብ ዕለት 21/4/2018 ዓም ክሳብ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ከእትዉ አለዎም
11 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝከነ ይኩን ተጫራቲ ካብቲ ጨረታ ዓርሱ ከግልል ኣይክእልን
12 ጨረታ ዕለት 21/4/2018 ዓም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት
13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0953488047 0939114222
ድሕሪት