ምልክታ ጨረታ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሰሜን፣ ፍሉይ ሽሙ ሰውሒ ንጉስ ዝተብሃለ ቦታ (ኣብ ድሕሪ እንዳፀባ) ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ክፍቲ ቦታ ዘለዎ ህንፃ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከካሪ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ብኣካል እቲ ቦታን ህንፃን ብምርኣይ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ጨረታ መኽበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 10,000.00 ከትሕዙ ዝኽእሉ፣
2. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
3. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር ናይ 3 ወርሒ ኣቐዲሙ ክኸፍል ዝኽእል፡፡ ከይዲ ኣከፋፍላ ብዝምልክት ኣብ ዝእሰር ውዕሊ ብምርድዳእ ክመሓየሽ ይኸእል፡፡
4. ውዕሊ ክራይ በቢ ዓመቱ ዝሕደስ ን5 ዓመት ዘገልግል ይኸውን፣
5. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
6. ኣብቲ ቐፅሪ መሰረታዊ ዘይኮነ ብቐሊሉ ክለዓል ዝኽእል ህንፀት ምክያድ ይከኣል፣
7. ኣድላዪ ኮይኑ እንተተረኺቡ በቲ ዝሰዓረ ትካል ከይዲ ምግጥጣም (Installation) ዝግበረሉ ንኣዳራሽ ዝኸውን ወናብር ብመከራያይ ክቐርብ ይኽእል፡፡
8. ሰነድ ጨረታ ብፖስት ተዓሸጉን ማሕተም ተሓቲሙን ክቐርብ ይግባእ፡፡
9. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 430 ሳልሳይ ደብሪ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣
10. ማ.ል.ት እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣
11. እዚ ጨረታ ዕለት 01 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኸፈት፡፡
ድሕሪት