ምልክታ ጨረታ
ተግሪ ናይ ጨርቃ-ጨርቂ ቀለም መሐደሲን መቐየሪን ን ከተማታት መኾኒ: ኣላማጣን ማይጨውን ዘማእክል ንግዜኡ ኣብ ከተማ ማይጨው ብንእሽተይ መጠን ከፊትዎ ዝነበረ ስራሕ ካብ ማእከል መውሃቢ ግልጋሎትና (ከተማ መቐለ) ብርሕቀት ነዚ ስራሕ ምክትታል ስለዘይምቹ ዓባይን ብሕታዊን ንዝኾነ ነዚ ስራሕ ብቀረባ ተረኪቡ ክሰርሕ ንዝደሊ ኣጫሪትና ክንሸይጥ ንደሊ::
ዝርዝር ዝህቦም ግልጋሎታት
1. ብፀሓይ ብንፋስን ብፍሕፍሕን ቀለሞም ዝሃሰሱ ኣልባሳት(ክዳውንቲ) ዝነበርዎ ምምላስ::
2. ብበረኪና ቀለሞም ዝለቐቁ ክዳውንቲ ናብ ዝነበርዎ ምምላስ::
3. ካብ ሓደ ዓይነት ሕብሪ ናብ ካሊእ ዓይነት ሕብሪ ምቅያር::
4. ባህላዊ ጸዓዱ ኣልባሳት ደቂ ኣነስትዮ ናብ ሰመያዊ(BLUE BACK)እርሳስ(ባህላዊ ኣልባሳት ደቂ ኣነስትያ ራዮቶት) ምቅያር::
5. ኣብ ጥቅሚ ዝወዓሉ ናይ ቦንዳ ክዳውንቲ ሕብሮም ሕዳስን ብምቅያርን ናብ ተገልገልቲ ምውዓል ኣገልግሎት ይህብ ::
እዚ ጨረታ እዚ ማስታወቅያ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ድሕሪ 5 መዓልቲ ማለት ዕለት 23 ጥቅምቲ2018 ዓ.ም ኣብ ዋና ቢሮና ከተማ መቐለ ማእከል ዕዳጋ ቀዳማ ወያነ ሕንፃ ለ209 ልክዕ ሰዓት 4:30 ተኸፊቱ 5:00 ይዕዖ:: ብዛዕባ እቲ ጨረታ ዝርዝር ሓበሬታን ነዚ ጨረታ ዘሸነፈ ሰብ ነዚ ስራሕ ብከመይ ከም ዝርከቦን ዝገልፅ ሰነድ ተጫረትቲ በቲ ልዕል ክብል ዝተጠቀሰ ዕለት ብኣካል ብምቅራብ ልክዕ ሰዓት 4:30 ብምውሳድ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ብዝተዓሸገ ፖስታ ይኣቱ:: ልክዕ ሰዓት 5 ኣብ ቅድሚ ኩሎም ተጫረትቲ ድማ ይክፈት::
ስለዚ ነዚ ስራሕ እዚ ብብሕታውነት ተረኪቡ ብቀረባ ክትትል ኣብዘን ልዕል ክብላ ዝተጠቀሳ ከባቢታት እናማእኸለን እናስፈሐን ክሰርሕ ዝደሊ ሰብ በቲ ዕለት ተረኺቡ ከጫረት ይኸእል::
መተሓሳሰቢ :-እዚ ስራሕ ዓርሱ ኪኢሉ ክዓቢ እኳ ተመራጻይ እንተኾነ ንግዜኡ እስካብ ዝፋለጥ ንተገልገልቲ ኣመችነት ክበሃል ግና ተጫረትቲ ቅድሚ ሐዚ ምስ ጨርቂ ዝተተሓሓዘ ስራሕ ማለት እውን ላውንድሪ ቡቲክ : ጨርቂ ስፌትን ምስትክካልን እንዳቦንዳ ወዘተ ስራሕ ዘለዎም እንተዝኸውን ይምረፅ::
ንዝበለፀ ሓበሬታ 0914263632/0914596114 ደዊሎም ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት