ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ምሩፃት ዓሌት ኣላሕም ሆልስቴን ፍሪዥያን
ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝማሓደር ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ካብ ዘለወኦ ልዑል ምህርቲ ፀባ ዝህባ ሆልስቴን ፍርዥያን ዓሌት ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ብምኽንያት ዕበት ደንበ ከፍቲ ቀኒሱ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ እትደልዩ ኣካላት ዝስዕብ ረቛሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፣ በዚ መሰረት
1. ተወዳደርቲ ንተጠቀምቲ ብጨረታ ዝሽየጣ ምሩፃት ኣላሕም ብኣካል ቀሪቦም ብምርኣይ ክገዝእዋ/ወን ዝሓረይዋ/ወን ኣላሕም/ላሕሚ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትዉ ይግባእ፡፡
2. ኣብ ሕድሕድ ላሕሚ ኣብ እዝነን መፍለይ ቁፅሪ ተጌሩለን ስለዘሎ ኣብቲ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ዝደልይዋ ላሕሚ መፍለይ ቁፅሪ ዋጋ ብምቕማጥን ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ፡፡
3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 06/02/2018 - 17/02/2018ዓ/ም፣ ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፣
4. እቲ ጨረታ ዕለት 17/02/2018 ቅድሚ ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 3፡40 ኣብ ትካልና ተጫረ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት፣
5. ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 10.000.00 /ዓሰርተ ሽሕ/ ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ከትሕዙ ይኸእሉን ፣
6. ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ / ብምኸፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቢሮ ቁፅሪ 2 ክወስዱ ይኸእሉ ፣
7. ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝግለፀሉ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ሒሳብ ከፊሉ ላሕሙ እንተዘይወሲዱ ዘትሐዞ መኸበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ናብ ናይ ትካልናካዝና ኣታዊ ይግበር፡፡
8. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣
9. ትካልና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን መሰለ ዝተሓለወ እዩ። ንተወሰኪ ሓበሬታ ብስልኪ
Tell +251 348 99 04 23
ድሕሪት