ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ
መቐለ ቤት ህንፀት ን 2018ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ዝተፋላለዩ ኤለክትሮኒክስ ንብረት ናይ ኢድ ሞያ ጥራሕ ንምዕጋን ፣ናይ ተሃነፅቲ ጉርዲ ፎቶ ምሕፃብ፣ ናይ ዝተፋላሊያ ፕሪንተራት ቀለም ምምላእ ካብ ፍቓድ ዘለዎም ነጋዶ ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ክሳብ ሰነ 30/10/2018ዓ/ም ዉዕሊ ኣሲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ
ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባኣ
1/ ተጫረቲ በዚ ስራሕ ዘርፊ እዚ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ / ስራሕ ፍቓድን መቅረባይነትን ኮፒ ከቕርቡ ኣለዎም
2/ ቲን መፍለዪ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ | ከቅርቡ ኣለዎም ከምኡ ድማ እቲ ዝተመልአ ዋጋ ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ ን7 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ___ ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ኣብዉሽጢ 3 መዓልቲ 2000 ብር ከፊሉ ዉዕሊ ክኣስር ኣለዎ
3/ ተወዳዲሩ ዝሰዓረ ተጫራቲ ዝፅገን ንብረት ይኩን ዝሕፀብ ፎቶ ከምኡውን ዝምላእ ቀለም ኣብ ዝተነገሮ / ግዜ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ናብ ቤትህንፀት መቐለ ብኣካል መፂኡ ብፅሬትን ሰለጤንን ግልጋሎት ክህብ ዝክእል
4/ ሰዓሪ ትካል ናይ ዝሃቦ ግልጋሎት ዝኸፈሎ ብር ልዕሊ 3000 ብር ተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ይኸፍል
5/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ናይ ሓደ ዋጋ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ ድማ ምስሻቱ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብ ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ተመሊኡ ክቐርብ ኣለዎ ስልዝ ድልዝ ዘለዎ እንተጋጢሙ ፌርማ ናይ ተጫራቲ ክዓርፎ ኣለዎ
6/ እዚ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 10/11/2017ዓ/ም ክሳብ 16/11/2017ዓ/ም ሰዓት3.30 ፀኒሑ ሰዓት 4.00 ይኽፈት
7/ መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
8/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0975452063 ወይ 0914120805 ምሕታት ይከኣል
መቐለ ቤት ህንፀት
ድሕሪት