Ref. No. ማ/ኢ/ቓ/4472/17
Date: 26/10/2017
ን2ይ ግዘ ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ምሩፃት ዓሌት ኣላሕም ሆልስቴን ፍሪዥያን
ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝማሓደር ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ካብ ዘለወኦ ልዑል ምህርቲ ፀባ ዝህባ ሆልስቴን ፍርዥያን ዓሌት ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ብምኸንያት ፅበት ደንበ ከፍቲ ቀኒሱ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ እትደልዩ ኣካላት ዝስዕብ ረቛሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፣ በዚ መሰረት
1. ተወዳደርቲ ንተጠቀምቲ ብጨረታ ዝሽየጣ ምሩፃት ኣላሕም ብኣካል ቀሪቦም ብምርኣይ ክገዝእዋ/ወን ዝሓረይዋ/ወን ኣላሕም ላሕሚ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትዉ ይግባእ፡፡
2. ኣብ ሕድሕድ ላሕሚ ኣብ እዝነን መፍለይ ቁፅሪ ተጌሩለን ስለዘሎ ኣብቲ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ዝደልይዋ ላሕሚ መፍለይ ቁፅሪ ዋጋ ብምቕማጥን ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ፡፡
3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 27/10/2017 - 07/11/2017ዓ/ም፣ ኣብ ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፣
4. እቲ ጨረታ ዕለት 07/11/2017 ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ፤ሰዓት 4፡00 ኣብ ትካልና ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት፣
5. ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 10,000.00 /ዓሰርተ ሽሕ/ ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ከትሕዙ ይኸእሉን ፣
6. ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኸፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቢሮ ቁፅሪ 2 ዝርከብ ክወስዱ ይኸእሉ ፣
7. ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝግለፀሉ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ሒሳብ ከፊሉ ላሕሙ እንተዘይወሲዱ ዘትሐዞ መኽበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ናብ ናይ ትካልና ካዝና ኣታዊ ይግበር፡፡
8. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣
9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ንተወሰኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 09 00 66 61 49 ምድዋል ይከኣል
ድሕሪት