SOS_Childrens'Village HRPNIPPLE & MHPSS Project ኣብ 2017 በጀት ዓመት ናይ ፅሕፈት ̧ስፖርት ̧ፅሬትን ̧ኤሌክትሪክ መሳርሒ አቅሑት ንዝተፈላለዩ ናይ ትካልና ስራሕቲ ዘገልግሉ ብብርኪ ክልል ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቁፅሪ: አስተ-124/02/2025

ዕለት: 17/06/2017 ዓ/ም

ምልክታ ጨረታ ቁዕሪ 05/2017

SOS_Childrens'Village HRPNIPPLE & MHPSS Project ኣብ 2017 በጀት ዓመት ናይ ፅሕፈት ̧ስፖርት ̧ፅሬትን ̧ኤሌክትሪክ መሳርሒ አቅሑት ንዝተፈላለዩ ናይ ትካልና ስራሕቲ ዘገልግሉ ብብርኪ ክልል ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ሰለዚ ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሕታት እንተነኣሰ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ተጫረቲ መምርሒ ክተማልኡ ይግባእ።

1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፡ ንተወሳኺ እሴት

ታክሲ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ 2016 ዓ.ም ዣት ድክላሬሸን ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፡

3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ዘይሃሰሰ ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣

4. ብተጫርቲ ዝቕርቡ ስነዳት ህጋዊ ማህተምን ፊርማን ዝአረፎም ክኾኑ ይግባአ

5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ኣብ ዉሽጢ 7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕል ኣሲሩ ብዉዕሉ መሰረት አብቲ በጀት አመት ዝጥየቁ እብቲ ዝርዝር ዝተቀመጡ ናይ ፅሕፈት ስፖርት ̧ፅሬትን ̧ኤሌክትሪክን መሳርሒ ናብ ቤት ዕዮና ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፣

6. ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ካብ ቤት ዕዮና ካብ ዕለት 17/06/2017 ዓ/ም ክሳብ 27/06/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ሰራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ክትወዳደሩ ትኽእሉ፣

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሰነድ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 311,921.00 ቅርሺ ስፖርት 380,625.00 ቅርሺ, ፅሬት 221,109.00 ቅርሺ, ኤሌክትሪክ 88,325.00 ቅርሺ ብሽም SOS Childrens Village ብCPO ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዮና ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፡

8. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ክፍሊት ዝፍፀም ይኸውን።

9. እቲ ጨረታ ዕለት 27/06/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡00 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሴ ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ኣብ ቤት ዕዮና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

10. ቤት ዕዮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11. እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ቤት ዕዮና ናይቲ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቕንስ /ክውስኽ ይክእል እዩ።

12. ዝሰዓረ ተጫራታይ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት እቶም ንብረታት ክቕርብ ዝኽእል

13. ዝዕድግ ዝርዝር ንብረትን መምልኢ ዋጋ ከምዝዕብ ቀሪቡ ኣሎ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ