ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ማ/ኣ ናይ ሕክምና መድሓኒታት ትሕት ኢሉ ብዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ካብ ዝምልከቶም ሕጋዊ መቕረብቲ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኸዕድግ ይደሊ "

ግልፂ ጨረታ

ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ማ/ኣ ናይ ሕክምና መድሓኒታት ትሕት ኢሉ ብዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ካብ ዝምልከቶም ሕጋዊ መቕረብቲ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኸዕድግ ይደሊ "

ፈጋ ቑፅሪዝርዝርረቛሒበዝሒ
1ናይ ቢሮታት መጋረጃ ውሽጣውን ደጋውን ምስ ሙሉእ አክሰሰሪኡብቱ ናይ ትካል ኣብ ዝርዝር ዝተቀመጠ መስፈርቲ መሰረት
2ናይ ብስክሌት ተወዳደርቲ ስፖርተኛታት ዕጥቂብቱ ናይ ትካል ኣብ ዝርዝር ዝተቀመጠ መስፈርቲ መሰረት
3ሰራሕተኛታት ኣብ ሻወር ዝጥቀሙሉ ፎጣ70 ብ 140 ሳ ሜትር
4ናይ መሬት መወልወልን መፅረግንብናይ ትካል መርኣያ መሰረት
5ናይ ሰራሕተኛታት መቸየሪ ክዳውንቲ ዝግጠም መስትያት ብአልምንየም ፍሬም ዝተሰርሐጎኒ 2ሜትሮ ብ ቁመት 1ሜትሮ

ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሒታት

1. ናይቲ ዝወዳደርሉ ዘፈር ንግዲ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድን ንግዲ ምዝገባን ኣብ እዋን ጨረታ ዝኸፈተሉ ጊዘ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቕርቡ ዝኽእሉ።

2. ብንግዲ ስራሕ ዝተሰማረዩ ምዃኖም ዝተወሃቦም መፍለዩ ቑፅሪ ቲን (IN No) ኣብ እዋን ጨረታ ዝኸፈተሉ ሐደ ኮፒን ከቕርቡ ዝኽእሉ።

3. ኣብ ናይ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ግዚኢት ንምስታፍ ዝተወሃቦም ናይ (2016 ዓ/ም ወይ 2017 ዓ/ም) ዝተሓደሰ ናይ መቕረብቲ ካርዲ ሰርቲፊኬት ኣብ እዋን ጨረታ ዝኽፈተሉ ሐደ ኮፒን ከቕርቡ ዝኽእሉ።

4. ኣብ እዋን ጨረታ ዝኸፈተሉ ናይ ቫት(VAT) ወይ ቲኦቲ(TOT) ተመዝጋቢ ኮፒን ከቕርቡ ዝኽእሉ።

5. መኽበሪ ጨረታ ንድሕዱ ዝተሓዝ ብሲፒኦ (CPO)ወይ ብጥረ ኮይኑ ንመጋረጃ : ስፖርት ዕጥቂ : ፎጣ ብር 10,000 (ብር ዓሰርተ ሽሕ ጥራሕ) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከቕርቡ ዝኸእሉ። - ንምስትያት ብር 10,000 (ብር ዓሰርተ ሽሕ ጥራሕ) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከቕርቡ ዝኸእሉ።

6. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ኣብ ትልምን ንብረት ምሕደራን መምርሒ ዋና ክፍሊ ዕደጋ ብአካል

ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝኸእል ።

7. ናይ ጨረታ ሰነድን ደምቢ ስነስርዓት ጨረታን ሰነድ መዐደጊ ዋጋ ብር 300.00 (ብር ሰለስተ ሚኢቲ ጥራሕ) ካብ ዋና ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ማ/ኣ ዋና ኽፍሊ ፋይናንስ ዓዲጉ ክወስድ ዝኽእል።

8. ጨረታ ኣብ ኣየር ግልፂ ኮይኑ ዝፀንሐሉ መዓልትታት ካብ ዕለት 15/4/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26/4/2017 ዓ/ም ይኸውን።

9. ናይ ጨረታ ሰነድ ዓዲጎም ዝወሰዱ ኣብ መምልኢ ዋጋ ብትክክል መሊኦም ንዑኡ ተባሂሊ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኦርጅናልን ኮፒን ኣብ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።

10. ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ጠቕላላ ዋጋ 10% (ዓሰርተ ሚእታዊ) ዉዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማ ብስፒኦ ብኣካል ቀሪቡ ክትሕዝ ዝኽእል።

11. እዚ ጨረታ ዕለት 26/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ሰዓት ድማ ኣብ ዋና ግቢ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ማ/ኣ ኣብ ቅድሚ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ

ይኸፈት።

12. ትካልና ካልእ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

13. ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ተጫራታይ ናይ ትካልና ደምቢ ስነስርዓት ጨረታ ብጥብቂ ከኽብር ይግባእ።

14. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914178887/0911016771 ብምድዋል ሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ