ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ኣክሱም ንቤት ፅሕፈቱ ኣገግሎት ዝዉዕሉ ቴክኒክ መገጣጠሚ መሳርሒ ህንፃ ፡ፓምፕን ፡ኤሌክትሪክ መለዋወጢ ኣቅሑት ፡ ናይ መኪና ጎማን ስፔርን ፡ ፅሕፈት መሳርሒ፡ ናይ ሳይክል ስፔርን ፡ ናይ ኤሌክትሮክስ አቅሑትን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድገ ይደሊ

1 ምስቲ ስራሕ ዝተኣሳሰር ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ምቅረብ ዝክእል

2 ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓም ሒሳበ ዘፍለጠን፡ ቲን ናምበርን ፡ ዝተሐደሰ መቅረባይነትን ምቅራብ ዝክእል

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ቴክኒክ መገጣጠሚኡን መሳርሒን ህንፃ ፓምፕን ብር 30000 /ሰላሳ ሽሕ / ፡ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑትን ናይ መኪና ጎማን ስፔርን 10000 /ዓሰረተ ሽሕ /  ፡ ናይ ሳይክል ስፔርን ናይ ፅሕፈት መሳርሒን 5000 /  ብባኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

4 ብናይ ባዕሉ ትራስፖርተ መፅዓንን መራገፈን ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ምሽናፉ ምስ ፈለጠ ድሕሪ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን ንዘሸነፎ ንብረት 10 ሚእታዊ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200 ብምክፋል ኣበ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤት ፅሕፈት ኣክሱም ማይ ግልጋሎት ቢሮ ቁፅሪ 12 ካብ መጋቢት 26/7/2016 ዓም ክሳብ ሚያዚያ 24/8/2016 ዓም ምዉሳድ ይከኣል

7 ተጫረቲ ኣብ ተወዳደሩ ንብረት ናይ ሐደ ዋጋ ኣብ ሰነድ ብምምላእ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ሕድድሕ ገፅ ማሕተም ብምቅማጥ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ላዕሊ ኣብቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲ ናብቲ ጨረታ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ይግባእ

8 ናይ ፓምፕ ትጫረቱ ተወዳደርቲ ናይ ቴክኒካል ናይ ፋይናንሻልን ክልተ ቅዳሕ በበይኑ ብፖስታ ብምዕሻግ ምእታዉ የድሊ

9 ናይ ቴክኒካል ሰነድ ብቴክኒክ ኮሚቴ ምስተረኣየ ልዕሊ 70 ሚእታዊ ዝረከበን ናብ ፋይናንሻል ይሐልፍ ብጨረታ ኮሜቴ ተራእዩ ዝተሐተ ዋጋ ዘቅረበ ሰዓራይ ይከዉን

10 ጨረታ ዝዕፀወሉ 24/8/2016 ዓም ሰዓተ 3:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ መምርሒ ብዝፈቅዶ መሰረት ዝክፈት ከይኑ ዘይተረከበ ተጫረቲ ወይ ወኪል ኣብ ዘይብሉ ፖስታ ንምክፋት ዝዓግቶ የለን

11 እቲ ቤት ፅሐፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347753267 0347752270 / 0940974724 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ