ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንቤት ፅሕፈት ማይን ማአድንን ኢነርጅን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ናይ ሓባር ዒላ ማእከላይ ጎዳጉዲ ንምስራሕ ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ካብ ደረጃ 5ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ካብ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሰርሕ ስለዝደሊ ንዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ኮንትራክተራት ክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 21, 2008 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 9, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000.00
  • ቦታ: ታሕታይ ኣድያቦ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥሪ 9, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • ስራሕቲ ማይ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ
  1. መለለዩ ቁፅሪ ንግዲ ዘለኩም
  2. ናይ 2007 ዓም ግብሪ ከፈሊልኩም ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ዘለኩም
  3. ቫት ዝተመዝገብኩም
  4. ናይ ወርሒ ሕዳር ቫት ዘፍለጥኩም
  5. ናይ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ብቅዓተ መረጋገፂ ወረቀት ዘቅርብን
  6. ዝተሓደሰ ብርኪ ትካል ከቅርብ ዝክእልን ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳት ብኮንትራክተራት ዝተመልአ ዋና ሰነድን ዋና ቴክኒካል ገምጋም ዝሓዘ ሰነድን ከምኡዉን  ዋናን ቅዳሕን እዞም ሰነዳት ብፖስታ ተዓሺጉ ሽምን ማህተምን ፊርማን ተጌሩሉ ኣብ ናይ ባዕሉ ፖስታ ተዓሺጉ ሰለስቲኡ ድማ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖሰታ ናይ ተጫረቲ ማህተም ሽም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ኣለዎም
  7. ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀረበ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ እቲ ሰነድ ጨረታ ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ ከይጋደሉለ ከቅርቡ ይግባእ ዝተጋደለ ብትክክል ዘይተመልአን ብእርሳስ ዝተመልአን ቅደም ሰዓብ ዝተዛብዐን ሰነድ ጨረታ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  8. ኣብ እዋን ጨረታ አድለይቲ ዝኮኑ ሰነዳት ከቅርብ ዝክእል
  9. ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር  ንብረትን ክትወስደዱ ትክእሉ
  10. ተጫረቲ ኣብ ናይ ሓባር ዒላ ስራሕቲ ማእከሎት ጎዳጉዲን መክበሪ ጨረታ  ቢድቦንድ  ብጥረገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ 15,000 ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም
  11. ተጫራታይ ሰዓሪ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ዉዕል ክኣስር ዝክእል ክከዉን ኣለዎ
  12. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  13. እቲ ጨረታ ካብ 18 ታሕሳስ 2008ዓም ክሳብ 9 ጥሪ  2008 ዓም ኣብ ኣየር ይፀንሕ
  14. ንናይ ሓባር ዒላ  እቲ ጨረታ 9 ጥሪ  2008 ዓም ሰዓት 4 ፡15 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ  ኣብ  ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት
  15. ንናይ ሓባር ዒላ  እቲ ጨረታ 5 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡15 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡ 30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ  ኣብ  ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት
  16. ንናይ ማእከላይ ጎዳጉዲ  እቲ ጨረታ 10 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 4፡ 15 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ  ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት

ንዝበለፀ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0345500231/0348500111 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ