ክትጫረቱ እትደልዩ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ደረጃ ዘለኩም ክትጫረቱ ንዕድም
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት
- ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ኮይኑ ናይ ማይ ካዕቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ
- ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
- ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ
- ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ወርሓ ሒሳብ መረዳእታ እተቅርቡን
- ብቅዓት መረጋገፂ ካብ ቤት ፅሕፈት ማይን መዓድንን ኢነርጅን ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ዘቅርብ
- ኩሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝሰዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
- መክበሪ ጨረታ 10,000 ቅርሺ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይድማ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
- እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዉዕሊ ዝተአሰረሉ ሰሪሑ ዘረክብ
- ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልትታት ዉዕሊ ክአስር ዝክእል
- ሰዓራይ ኣካል ካብቲ ዝሰዓሮ 20% ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እቲ ወረዳ ምዉሳክ ወይዉን ምንካይ ዝክእል ምካኑ ይገልፅ
- ኣብቲ ዝወፀ ሰነድ ጨረታ ወይድማ ስፐስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃኒዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
- ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ሕንጣሎ ዋጅራት 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ትክእሉ
- ብተወሳኪ ብመምርሒ ዕደጋ ክልልና ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 ተፈፃሚ ይከዉን
- ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ 20 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ክምዝክእል ብፊርምኦም ከረጋግፁ አለዎም
- ሳንዱቅ ጨረታ 9 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡00ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጋጎልን
- መብርሂ ዝሓተተሉ ኣድራሻ ግዘን ብፁሑፍ ምሕታት ይከኣል
- ድሕሪ ጨረታ ምዕፃዉ ዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት ከምዘይብሉ
- ጨረታ ከጭበርብር ዝፍተኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝኮኑን ንሓዋሩ ዉን ከምዘይሳተፉን ናብ ዝምልከቶ ከም ዝፃሓፍን
- ኣብ ነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ ሽም ክታም አድራሻ ናይቲ ትካል ማሕተምን ክዓርፎ አለዎ
- ጨረታ ዝሰዓረ ኣካል ክሳብ ሙሉ ንሙሉእ ኣጠቃሊሉ ዘረክብ ዉዕሊ መክበሪ ካብ ዋጋኡ 10 ሚኢታዊ ፕሮፎርማንስ ቦንድ ከትሕዝ ዝክእል
- ሰዓራይ ጨረታ ብመሰረት ዝአተዎ ብእዋኑ ተዘይረኪቦም ካብ ዝኣሰርዎ ዉዕሊ መጠን ገንዝብ በቢመዓልቱ 1ቅርሺ ካብ 1000 ሓደ ናተቆረፀ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኣታዊ ይገብር
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344370195 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።
ድሕሪት