ናይ ከተማ ዉቕሮ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ግልፂ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቕሮ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ንከተማ ዉቕሮ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል
ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ዝምልከተኩም መቕረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም
1 ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ ሓምለ 2007 ዓ/ም ቫት ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡን
2 ናይ 2008 ዓ/ም ንግድን ሞያ ፍቃድን ዘሐደሱ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡ
3 ብኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግበሪ ከፈልቲ መለለይ ካርድ /ቲን /ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡ
4 ናይ ጨረታ መክብሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፊኬት ስፒኦ ጥረ ገንዘብ
ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 13/12/2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/12/2007 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ አብ ዘሎ ስራሕ ሰዓት ዓዲጉም ነፃላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ይገብሩ ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይ/ስራ/ዕዳ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ይኸዉን
5 ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሰብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላል ኣይኽእሉን
6 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 28/12/2007 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ዕለት 28/12/2007 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ዝኽፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተሃልዩም ይምረፅ
7 ተጫረቲ አብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቅርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ምብፅሑ ይኸዉን
8 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተኸፈተ ከምኣድላይነቱ ናይቱ ዝግዛእ መጠን ንብረት ክሳብ 20% ክዉስክን ወይ ክቕንስን ይኽእል
9 ዘሸነፎም ንብረት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ናይ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈትና አታዊ ይገብሩ
10 ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430083/339 ደዊሎም ክረኽቡና ይኽእሉ
Backs