1 ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትድልዩ ሕጋዊያን ተጫረታ ምስ ዘቅርብዎ ኣቅሑት ዝተትሐዘ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ
2 መረዳእታ ከፋሊ ግብሪ ምካኖም ዘረጋግፅ ግብሪ ከፈልቲ ዝተዉሃበ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
4 መሳርሒ ፅሕፈት ንምቅራብ ዝወዳደር ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ምካኖም ናይ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳአታ ከቅርበ ዝክእል
5 ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዉቅሮ ሕርሻ ፖሊ ቴክኒክ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ክፍሊ ቁፅሪ 24 ብምዉሳድ ዝወዳደረሉ ዋጋ መሊኦም ኣብ ዉሽጥን ኣብ ልዕሊ ፖስታ ሽሞምን ኣድራሻኦምን ፅሒፎም ፊርሞምን ማሕተምን ብዝተዓሸገ ዋና ቅዳሕን በበይኑ ብምግባር ክሳብ 13/5/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ አታዊ ክገብሩ ይክእሉ
6 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 13/5/2018 ዓም ሰዓት 3:10 ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ተዘይሃሎም እዉን ኣብ ዉሽጢ ሳፁን ዝተረከበ ኣዉፂእካ ብስርዓት ይክፈትን ይግምገምን
7 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ መሳርሒ ፅሕፈት 600000 ቅርሺ ከትሕዙ አለዎም
8 ሰዓራ ምንካኖም ካብ ዝተገለፀሎም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ዘቅረብዎ ንብረት ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብጥረ ገነዘብ ወይድማ ስፒኦ ኣትሒዞም ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ሓሙሽተ ተከታተልቲ መዓልቲታት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ንብረት ናብ ዉቅሮ ሕርሻ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዉቅሮ ኣታዊ ከገብር ዝክእል
9 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914115651 0914349954
ድሕሪት