ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣብ ዓዲቀለበስ ዝርከብ ንቢሮ ግልጋሎት ዝከዉን ህንፃ ንክነስርሕ ስለዝደለና BC/GC -5ን ልዕሊኡን ብርኪ ፍቃድ ናይ ህንፃ ኮንስትራክሽን ተኮናተርቲ ብግልፂ አጫሪቱ ክስርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 20, 2012 (ልዕሊ 4 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2012 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:200000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ገዛውቲን ሕንፃ ስራሕቲን/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ ምስክር ወረቀት፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክርነት፣ ግብሪ ክፍሊት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክላሬሽን ዝገልፅ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ ፤ ናይ ኮንስትራክሽን /ተኮናታራይነት ምዝገባ ካርድን ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ጨረታ ውሕስና ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና/Unconditional guarantee bond validity date 90 calendar days/ ወይ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብር 200000.0 / ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ / ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፐሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 360 ተከታተልቲ መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም፡

4 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 15/02/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 28/02/2012ዓ/ም ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ (ራብዓይ) ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ኣድላይ መረዳእታት ብምሓዝ ዘይምለስ ብር 300.00 (ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር) ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ፤

5 ሐደ ተጫራታይ ካብ ሐደ ሎት /ፕሮጀክት/ ንላዕሊ ኣብ ናይ ደደቢት ትፈልም ህንፃ ስራሕ ክጫረት ኣይክእልን

6 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ደክመንት ፈሪሞምን ከምቲ ክሽየጥ ተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡ ዝተጓደለ ብትክክል ዘይተመልአን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከውን፡፡

7 ተጫረቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ናይ ደደቢት ማ/ፋይናንስ ውዕሊ ኣሲሮም ዘቋረፁ ወይ በቲ ዝድለ መዓልቲ ዘይወድአ ከምእዉን ኣብ ትካልና ቅድሚ ሐዚ ተጫሪቱ ዉዕሊ ኣሲሩ ናይቲ ስራሕ አፈፃፅማ 80% ዘይበፅሕ ኮንትራክተር ክጫረት ኣይክእልን ፡፡ እንተተጫሪቶም እውን ካብቲ ጨረታ ክስረዝ ይግበር፡፡

8 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሐደ ኦርጅናል ሐደ ቅዳሕን ቴክኒካል ፋይናንሻል ድማ ሐደ ኦርጅናልን ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳት / ስፒኦሐ ኣብ ዝተፋላለዩ ፖስታታት ተዓሺጎም ኩሎም ፖስታታት ድማ ኣብ ካልእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረተሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ዋና ቢሮ ቁፅሪ 409 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣብ ናይ ስራሕ ሰኛት ኣታዊ ይከዉን እቲ ጨረታ ዕለት 28/2/2012 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፂዉ ዕለት 28/2/2012 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትፈልም ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ እቲ ጨረታ ክክፈት እዩ

9 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ተወሳኪ ሓበሬታ እንተደሊኩም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ ዝርክብ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-403724 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ