ንወረዳ ዓድዋ ከተማ ዓድዋን ኣብያተ ፍርዲ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ፅገና ገዛ ፣ ፅገና ማሽን ፣ ኣናእሽተይ ኣቅሑት ፣ ኣቅሑ ፅሬት ፣ ሕትመት ፣ ኤሌክተሮኒክስ፣ ናይ ቢሮ ቀወመቲ ኣቅሑት፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

1 ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይኖም ዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 30 ማዓልቲታት ዛዚሞም ከቅርቡ ይግባእ።

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ 4000.00 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ ኣለዎም።

3 ቅሬታ ምቅራብ ዝከኣል ሰዓራይ ጨረታ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልትታት ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ውዕሊ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ድሕሪ ቅሬታ ምስማዕ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልታት ኮይኑ ውዕሊ ክኣስሩ ናይ ዝሰዓርዎ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም።

4 ተጫረቲ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ዘሐደሱን ምዃኖምን ዋና ምስ ቅዳሕ ከቀርቡ ኣለዎም።

5 ተጫረቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን በብወርሑ ናይ ግብሪ ኣካቢ ዝኸፈሉ ምዃኖም መረዳእታ ከቅርቡ ኣለዎም።

6 መለለይ ቁፅሪ ከፈላይ ግብሪ ዋና ምስ ቅዳሕ ከቀርቡ ኣለዎም።

7 እዚ ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ 30/02/2012ዓ/ም ጀሚሩ ሰነድ ካብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ዓድዋ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምምር/ንብረትን ዘይምለስ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ብሽመዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 20/02/2012ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:30 ድ.ቀትሪ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ናብ ሳንዱቅ ክተእትው ይግባእ።

8 ሳንዱቅ ጨረታ 20/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ 21/02/2012ዓ/ም ሰዓት 2:30 ንጉሆ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ዓድዋ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምምር/ንብረትን ይኽፈት።

9 ተጫረቲ እቲ ዝሰዓርዎ ንብረታት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ የቅርቡ።

10 ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ክረከቡ ኣለዎም።

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ነብሲ ወከፍ ንብረት 25% ክውስኽ ወይ ክንኪ ይኽእል።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-711532 ምድዋል ይከአል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ