ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲ ስልጠናን ነጋ ገ/ዝጋብሔር ዕዳጋ ዓርቢ ንምምሃርን ምስትምሃርን ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ቆወምትን ሃለቅትን ንብረታት ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ መሰረት ድማ

ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኤሌክትሮኒከስን ናይ ፅሬት ኣቅሑትን

ሎት 2 ናይ ህንፃ መሳርሒታት ፣ ጣዉላ ሓፂንን ካልኦትን

ሎት 3 ናይ ኤሌትሪክ ኣቀሑት ካልኦትን ንብረታትብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን መቅረብቲ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።

ናይ ጨረታ መምርሒ

1 ናይ 2011ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈለን ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን

2 መለለይ ቁፅሪ ኸፋላይ ግብሪ ዘለዎም ዝተሓደሰ ሰርተፊኬት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝኽእል

3 ተወሰኺ እሴት ታክስ ዝኾነን ናይ ወርሒ ሐምለ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

4 መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ይዅን ኣብ እዋኑ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ወይ CPO ሎት 1 ብር 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) : ሎት 2. ብር 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) : ሎት 3 ብር 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ክትሕዝ ዝኽእል

5 ንኹሎም ዓይነታት ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምኽፋል ከብ ክ/ስ/ዕ/ፉ/ን/ምም/ርን ቁፅሪ ቢሮ 9 ካብ ዕለት 23/01/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 13/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 6.00 ምውሳድ ዝከኣል ምኻኑ፤

6 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ ዓይነት ንብረት ኣብቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ ክመልኡን ስርዝ ድልዝ ዘይፍቀድ ምካኑን ብዘየሻሚ ግልፂ ብዝኾነ ክፅሓፍ ከምዘለዎ ብተወሳኺ እውን ንኹሎም ሰነዳት ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ኦርናልን ኮፒን ነኒበይኖም ተዓሺጎም ክቐርብ ኣለዎ፡፡

7 ኣብቲ ዝርዝር ጨረታ ቅሬታ ኣለኒ ዝብል ተወዳዳራይ ኣሸናፊን ተሸናፊን ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ውሽጢ 3ተ ስራሕ መዓልቲ ቅሬትኡ ብፅሑፍ ከቕርብ ኣለዎ

8 ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ምስ ተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ ።ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሩ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 10ተ ናይ ስራሐ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዝያን መራገፍን ፅሬቱ ብቴክኒክ ኮምቴ ምስተረጋገፀ ናብ ነይ ኮሌጅናን መኽዚን ጠቅሊሉ ምስ ኣረከበ ክፍሊት ዝፍፀመሉ ይኸውን።

9 ሰዓረቲ ጨረታ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

10 ኣብ እዋን ጨረታ ነቲ ጨረታ ዘዛብዐን ከዛብዕን ዝፈተነ ብሕጊ ተሓተቲ ይኸውን።

11 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኾነ ይኹን ተጫራታይ ካብቲ ጨረታ ዓርሱ ከግልል ዘይኽእል ምኻኑ፤

12 አዚ ጨረታ እዚ ዕለት 13/02/2012 ዓ.ም ሰዓት 6:00 ቅድሚ ቀትሪ በቲ ዕለት ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት

13 ኮሌጅና ጨረታ ምስ ተኸፈተ ከም ኣድላይነቱ ነይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክውስኽን ክቅንስን ዝኽእል ምኻኑ፤

14 ኮሌጅና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346-460314 ወይ 0343-460023 ምሕተት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ