ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ናይ ቤት ምክሪ ግልጋሎት ዝዉዕላ ሞተር ሳይክል ኣብ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ፣ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 5, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 20, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 200000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ: 100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 20, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • ዕድጊት ሞተርሳይክል
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይሓምለ 2011 ዓ/ም VAT ድክላሬሽን ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ 2011 ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስኽር ወረቐት ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15ተ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድነ ጨረታን ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር ጥራሕ / እናኸፈለ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ካብ 05/1/2012 ክሳብ 20/01/2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ከወዳድር ይክእል

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ብር20000.00 / ዒስራ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን / Bureau of plan & finance / ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 20/01/2012 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ርንቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ / ክዉስክ ይክእል እዩ::

12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344-410529 / 0344-405152/ ናይ ወሽጢ መስመር 227:265 ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምኻኑ ንሕብር::

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
  • ሶፍትዌርን ኔትዎርክ (58)
    • ኮንስትራክሽን (1049)
      • ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት (4463)
        • ሒሳብ ኣደሓሕዛን ኦዲት ምግባርን (256)
          • ሕርሻ (512)
            • ህንፃ መሳርሒ (7194)
              • ፅሬትን ንፅህና ኣቁሑት (1689)
                • ምምካር (180)
                  • ትምህርቲን ስልጠና (199)
                    • ኤሌክትሪካልን ኤሌክትሮ መካኒካል (1832)
                      • ምግብን መስተን (515)
                        • እግድ (40)
                          • ፈርኒሽንግን ፊክስቸር (77)
                            • ፈርኒቸር (1283)
                              • ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት (86)
                                • ውህብቶን ውፅኢት ኢደ ጥበብ (4)
                                  • ጥዕና (266)
                                    • ናገዛ ኣቁሑት (88)
                                      • ኢንሹራንስ (4)
                                        • ናይ ቤተ ፈተነ ኣቁሑትን ኬሚካልን (288)
                                          • መሬትን ሊዝን (59)
                                            • ፅገና (833)
                                              • ናይ ሕክምና ኣቁሑት (426)
                                                • መዓድንን ናይ ተፈጥሮ ሃፍትን (21)
                                                  • ናይ ቢሮ አቁሑትን ፅሕፈት መሳሪሕን (2987)
                                                    • መዐሸጊን መጠቅለሊን ወረቀት (6)
                                                      • ምስሊን ቀረፃን (23)
                                                        • ስራሕቲ ሕትመት (1658)
                                                          • ስራሕቲ ምልላይ (83)
                                                            • ክራይ (741)
                                                              • መሸጣ (1184)
                                                                • ስራሕቲ ሓለዋን ሰኪዩሪቲ (94)
                                                                  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ (8593)
                                                                    • ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን (361)
                                                                      • መሳሪሕታት ቴሌኮሙኒኬሽን (25)
                                                                        • ጨርቃ መርቂን ውፅኢት ቆርበትን (832)
                                                                          • ናይ ትራንዚትን መጋዓዝያን ግልጋሎት (360)
                                                                            • ተሽከርከርትን ከበድትን ማሺነሪ (579)
                                                                              • መኽዝን (33)
                                                                                • ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ (237)
                                                                                  • ኣልሙኒየም፡ መስትዋትን ስራሕቲ ሓፂነ መፂን (268)
                                                                                    s