ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንኣብያተ ዕዩኡ ኣገልግሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈትን ፣ ዝተፈላለዩ ሕትመታትን ፣ ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ክሕትም ይደሊ::

1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፋቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 ወረቅት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎም

3 መረዳእታ መለለይ ከፋለይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ ሓምለ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ሰነድ ጨረታ አብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ቀደማይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ዋጋ መሸጣ ሰነድ ንሕድሕድ ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ ክሳብ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 25/12/2011 ዓ/ም ክሳብ 05/01/2011ዓ/ም  ሰዓት 8:00 ኩሉሻብ ኣብስራሕ ሰዓት ይከዉን ።

7 ጨረታ 05/1/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡45 ተዓፅዩ  በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ይክፈት።

8 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ይግባእ።

9 ጨረታ ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ብደብደቤ ካብ ዝተገለፁሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

10 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ጨረታ ካልእን መብረሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል።

10 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝኣተወሉ ዕለት ንሕትመት ኣብ ዉሽጢ 60 ተከታታልቲ መዓልቲ በቲ ዝርዝር ዋጋ መሰረት ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ከረክብ ዝኽእል፤ ንፅሕፈት መሳርሒ ድማ 30ተከታታሊቲ መዓልትታት ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ከረክብ ዝኽእል

11ዝኾነ ተጫረታይ ቤት ዕዮና ኣብ ዘቀመጦ ዝርዝር ምውሳኽ ወይ ምንካይ ወይ ዝስርዝ ካብ ውድድር ወፃኢ ዝገብር ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

12 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-403477/0344408299 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ