ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝትርከብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንተምሃሮ ኣብ 2012 ዓ/ም ቀለብ ዝውዕል ቀዳማይ ደረጃ ዞላ በርበረ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሓምለ 29, 2011 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 11, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ነሓሰ 11, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ኣቅርቦት ምግቢ /
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ቲን ናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ገይሮም ከትሕዙ አለዎም

3 ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2011ዓ/ም ዲክላስዮን ከቅርብ ዝክእል፤

4 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ምዝገባን መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል::

5 ናይቲ ጨረታ መከበሪ ብስፒኦ 4000 ሚኢታዊ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ካብ እስፐሲፊኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፤

7 እዚ ጨረታ ሲዒርኩም ምስ ተብሃለ አብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ አሲሩ እቲ ንብረት ከቅርብ ዝክእል፤

8 ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ምስ ሙሉእ ናይ ትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ፤

9 እቲ ጨረታ ቤት ትምህርቲና 20% ናይቲ ንብረት ምቅናስን ምዉሳክን ይክእል እዩ፤

10 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ /ጥቓ ቤተ መንግስቲ/ ቢሮ ቁፅሪ 360 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 2፡30 ክሳብ 6፡00 ምዉሳድ ትክእሉ፤

11 ቤት ትምህርትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺባ ብኽፋል ይኩን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰላ ዝተሐለወ እዩ::

12 እዚ ጨረታ ዕለት 11/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ኣዳራሽ ቃላሚኖ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኩሎ ተወዳደረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0345-599841 ምድዋል ይካኣል እዩ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ