ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ንብረታት ምድብ 1 ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ሃለቅትን ቀወምትን ንብረታት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታከስ /VAT/ ዝተመዝገቡ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርተፊኬት ናይ ለካቲት/ መጋቢት 2011 ዓ/ም ቫት ድክለሬሽን ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ኣሲሩ ብውዕሊ መሰረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ኤጀንሲና ሰቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠን ከቅርብ ዝክእል፤

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ ብር 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ጥራሕ እናከፈሉ ካብ ናይ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 2-20 ካብ ዕለት 30/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 16/08/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚእኩም ክትወዳደሩ ትክእሉ፤

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ሰነድ ጨረታ ንምድብ1 ንምድብ 2ተ ብር 5000.00ብር 10000.00 ብቅደም ሰዓብ ብሸም ኤጀንስና ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ / Information Communication Technology Agency / CPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ኤጀንስና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል፤

9 እቲ ጨረታ ዕለት 16/08/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 9:00 ቅ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ርክብን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ደጀን ቢሮ ቑፅሪ 106 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት።

10 ኤጀንሲና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

11 እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ኤጀንስና ናይቲ ዝግዛእ ኣንቲ ቫይረስ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ፡፡

12 ሰዓራይ እቲ ዝሰርሖ ኢንስታሌሽን ስራሕቲ ይኹን ንብረት ብበዓል ሞያ ( ብፅሬት መረጋገፂ ኮሚቴ) ተፈቲሹ ትክክለኛነቱን ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ክፍሊት ይፍፀም።

ሐበሬታ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342-400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ