ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ 2011 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ንብረታት ማለት ውን ፈርኒቸርስ /መፅሓፍቲ መደርደሪ፣ ጠረጴዛን ወንበርን/ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ሕትመት፣ ኤሌክትሮኒክስን ሓድሽ ሶፍትዌርን ኣፕሊኬሽን ሲስተም ዝውዕል ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ። ስለዚ:-

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሓደ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ TIN ቑፅሪ ሰርተፊኬት ሓደ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ ጥሪ 2011 ዓ/ም VAT ድክላሬሽ ንሓደ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰን ምስክር ወረቐት ሓደ ዋንኡን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ወይ ግልጋሎት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ምድብ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ በቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ይግበእ::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታ ንሰነድ ጨረታን ምድብ- ዘይምለስ ብር 50. 00 /ሐምሳ ብር/ ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ካብ 22/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 13/072011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይከእል::

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 5000.00 / ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ንሶፍትዌር ሲሰተም ድማ 20000.00/ ዒስራ ሽሕ /ብሽም ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ /Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9 እቲ ጨረታ ሶፍትዌር ኣፕሊኬሽን ዕለት 13/07/2011 ዓ/ም ንፅሕፈት መሳርሒ፣ ሕትመት፣ ኤሌክትሮኒክስን ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ::

12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344-408714 ደዊልካ ምሕታት 

ይክፈት

ድሕሪት
ጨረታ መደብ