ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ንኣብያተ ፅሕፈት ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ኣገልግሎት ዝውዕል ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ህንፃ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ቢሮ፣ ናውቲ ቢል ብግልፂ ጨረታ አወዳደዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎን ፣ዝተሐደሰን መቅረባይነት ዘቅርብ፤ ናይዚ ወርሒ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታን ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 18/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 24/06/2011 ዓ/ም ይከዉን።

3 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 25/06/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 4፡00 እዩ። ጨረታ ዝኸፈተሉ 25/06/2011 4፡30 ባዕሎም ወይ ሕጋዉያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይኸዉን።

4 ሰዓራይ ኣካል 10% ውዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

5 እቲ ሰዓራይ እቲ ንብረት በበዓል ሞያ ተፈቲሹ ቅቡል ምስኾነ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን። ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክእስር ዝክእል፤

6 ሰዓራይ ዝሰዓሮ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስን ቲኦቲን ዘካተተ ክከውን ኣለዎ፤

7 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ከቅርብ ዝኽእል፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0346-640172  ምድዋል ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ