ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ብዘርፉ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::
2 ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ቲን ቁፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::
3 ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ክተቅርቡ እትኽእሉ ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።
4 ናይ ወርሒ ሕዳር ቫት ዲክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤
5 ናይ ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤
6 ዝተኣዘዘ ንብረት ኣሸናፊ ኮይኖም እንትረኸቡ 10 ሚኢታዊ ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትታት ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይግበሩ።
7 መቅረባይ ከይፈፀሞ ካብ ዝተረፈ ጠቅላ ናይቲ ውዕሊ ዋባ በቢመዓልቱ 0.0 ሚኢታዊ ወይ 1/1000 ቅፅዓት ዝከፍል ምዃኑ ፈሊጡ ንብረት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ፤
8 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 24/05/2011 -08/06/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::
9 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556 ምርካብ ይካአል እዩ
ድሕሪት