ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ኣገልግሎት ዝኸውን መሳርሒ ፅሕፈት፣ናይ ህንፃ ፅሬትን ኣቑሑት፣ኣቕሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቑሑት ሕትመት፣ ጋራዥ ተሽከርከርቲ ፅገና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ ።

1 ናይቲ ዝወዳደርሉ ዘፈር ንግዲ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱን 2 ጨረታ ኣብ ዝከፈተሉ እዋን ሓደ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል 3 ዝተዋፈሮ ምካኑ ዝተዉሃቦ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ካርድ ጨረታ ኣብ ዝከፈተሉ እዋን ሐደ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል 4 ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ግልጋሎት ንምሃብን ንምስታፍን ዝተዉሃቦ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ መቅረብቲ ካርዲ ጨረታ ኣብ ዝከፈተሉ እዋን ሐደ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል 5 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ወርሒ ሓምለ ወይ ነሓሰ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል። 6 መኸበሪ ጨረታ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000 ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ምስ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሳንዱቅ ጨረታ ዝእትዉ 7 እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛብዕ ከጭበርብር ዝፈተነ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ተወሪሱ ብናይ ክልል ትግራይ ዕድጊት መምርሒ ዝደንገጎ ብሕጊ ተሓታቲ ይከዉን 8 ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ ዝኮነ ይኩን መመሓየሺ ኣብ ሰነድ ጨረታ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቀድን 9 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምም ንብረትን ብአካል ቀሪቡ ዉዕሊ ይኣስር 10 ከይዲ እቲ ጨረታ ቅሬታ እነተሃልይዎም ጨረታ ዉሳነ ካብ ዝረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3 ተከታተልቲ መዓልቲ ጥራሕ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቅሬትኡ ብፅሑፍ ከቅርብ አለዎ 11 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 23/01/2011ዐ/ም -07/02/2011ዓ/ም ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምም ንብረትን ሰነድ ጨረታ ወሲዱ ዋጋ ብትክክል መሊኦም ንዑ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዓሺጎም ክእትዉ ይክእሉ 12 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10% ዉዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብስፒኦ ክትሕዝ ዝክእል ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናይ መጓዓዝያ ይኹን ናይ መፅዓኒ መራገፊን ወፃኢ ባዕሉ ሸፊኑ ብኣካል ኣብ ዘለዎ ፅሬቱ ዝተረጋገፀ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ከቅርብ ኣለዎ። 13 ተጫራታይ ካብቲ ናይ ትግራይ ዕድጊት መምርሒ ወፃኢ ዝኮነ ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ እንተወዳዲሩ ሰዓራይ ኣብ ዠኮነሉ በቲ ናይ ዕድጊት መምርሒ ዝተኣናገደሉ ምኻኑ ፈሊጡ ናይ ባዕሉ መምርሒ ከቀምጥ ከምዘይብሉ እንተቀመጠውን ተቀባልነት የብሉን። 14 ኣብ ኩሎም ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ እቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መምርሒ ዕድጊት ብዝድንግጎ መሰረት 60 መዓልቲ ይኸውን። 15 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ሰሪሑ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ከቅርብ ክኽእል ኣለዎ። 16 ሰዓራይ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝድለ መግለፂ ምዃኑ ብበዓል ሞያ እናተረጋገፀ ኣታዊ ይግበር። 17ኣብ ኩሎም ዓይነት ምግቢ ኣስቤዛ ከምኡውን ጥረምረ ዘፈር መሰረት ዝገብር ውድድር ምዃኑ ነፍልጥ። 18 እቲ ሆስፒታል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ 19 እቲ ሆስፒታል 20 % ናይቲ ዝተስዓረ መጠን ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰል አለዎ 20 እቲ ጨረታ 07/02/2011 ዓ/ም ዓት 8:30 ተዓሺጉ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ከ/ስ/ፋይ/ዕ/ንብ/ምምሕዳር ከተማ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት መተሓሳሰቢ ናይ ጋራዥ መካንን ፅገናን ዝወዳደሩ ነዞም ዝስዕቡ ከማልኡ ኣለዎም። እቲ ትካል ዝገዝኦም መለዋወጢ ኣቑሑት ዋና ምዃኖም ዘራገግፅ ናይ ፅሑፍ መረዳእታ ፊርማን ማህተምን ከቅርብ ምዃኑ ኣብ ፅገና ግዜ ብውዕሊ መሰረት ይግጠም።ነዞም ዝቀረቡ መለዋወጢ መኪና ብናይ ዝሰዓረ ጋራዥ በዓል ሞያ ሓላፍነት ዋናን ቅዳሕን ተፈልዩ ብፅሑፍ ክቀርብ ኣለዎ። እቲ ቤት ዕዩ ኣብቲ ጋራዥ ዕግበት እንተሲኢኑ ብቀጥታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ኣብቲ ዝተቀመጠ ናይ ዋጋ መምልኢ ከይመላእኻ ምቅራይ ዘይከኣል ምዃኑን ብነፃ ዝስራሕ ተኾይኑ ነፃ ክበሃለሉ ዋጋ ዘድልዩ እንተኾይኑ እቲ ዋጋ ክምላእ ኣለዎ። ሰዓራይ ዝፍለየሉ ብዝመልኦ ጠቅላላ ናይ ግልጋሎት ዋጋ ምዃኑ ኣሚኑ ክወዳደር ኣለዎ። ኣብ ዝፅገኑ ይኹን ኣብ ሰርቪስ ዝግበሩ መካይን ስራሕቲ ዘድሊ መለዋወጢ ኣቑሑት መኪና እንተሃልዩ ውዕሊ ተቐባሊ ምስ ሙሉእ ስፔስፊኬሽኑ ፓርት ናምበር ናይቲ ትካል ማህተም ዝዓረፎ ውዕሊ ወሃቢ የፍልጥ። ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-452201 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ