ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ንዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈት ን2010 ዓም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ 2ይ ዙር ግልፂ ጨረታ ናይ ሃለቅት ፅሕፈት መሳርሒ : ሕትመት : ፈርኒቸር : ኤሌክትሮኒክስን ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ቲን /TIN NO/ : ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ናይ ወርሒ የካቲት ቫት ድክሌር ዝገበርሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ

2 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ጨረታ መክብሪ ንፅሕፈት መሳርሒ ፈርኒቸርን ነንሕድሕዶም ብር 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብ ስፒአ ከትሕዝ ዝክእል : ንሕትመት ብር 3000 ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብ ስፒአ ከትሕዝ ዝክእል : ንኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብር 15000 ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብ ስፒአ ከትሕዝ ዝክእል

4 ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ዝተኣሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ሰዓራይ ምካኑ ምስተረጋገፀ ድሐሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ከኣስር ዝክእል

6 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብቲ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን 2ይ ደብሪ ቁፅሪ 4 ካብ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ነንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይከኣል

7 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 12/8/2010 ዓም ሰዓት ክሳብ ዕለት 29/8/2010 ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ኣድራሻ ጥቃ ትራፊክ መብራህቲ ዓዲ ሓዉሲ ቤ/ፅ/ት.ፋይናንስ ክ/ከ/ዓ/ሓቂ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0344403728/72 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ