ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን ንኮሌጅና ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት : መሳርሒ ህንፃ : ናይ ኣዉቶሞቲቭን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ናይ 2009/2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ክተቅርቡ ትክእሉ

2 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ክተቅርቡ ትክእሉ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ሰርተፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ናይ ቫት ሰርተፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ናይ ወርሒ ሓምለ/ነሐሰ 2009 ዓም ዴክሌር ዝገበርኩምሉ መረዳእታን ከትቅርቡ ትክእሉ

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ናብ ኮሌጅና ክተቅርቡ ትክእሉ

7 መወዳደሪ ደክመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 30 ሰላሳ ብር እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን ከይዱ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ህንፃ ቁፅሪ 03 ካብ 18/7/2010 ክሳብ 3/08/2010 ዓም ሰዓት 8:00 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 3000 ብር : ንመሳርሒ ህንፃ 4000 ብር: ን አዉቶሞቲቭ 4000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒኦ ወይ ካልኦት ከተትሕዙ ትክእሉ

11 እትህብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕ:ለት ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

12 እቲ ጨረታ ዕለት 3/08/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን ኣብ ደጋ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

13 ተጫረቲ ሰብ ዋና ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ምክፋት ከይዲ ጨረታ አይተአጎጎልን ወይ ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ የለን

14 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐወ እዩ

15 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብኣካል አብ ኮሌጅና ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0914122418 ወይ 0942016205 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ኢኩም

ድሕሪት
ጨረታ መደብ