ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ፅጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናንን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዝተረኸበ ሓገዝ
1. ናይ ምግቢ ተንከፍን ናይ ዕንጨይቲ ስራሕቲ ውፅኢት (Food items and Furniture's items) ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ
➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን መቐረብቲ ዝኾንኩም ጨረታ ሰነደ ዕለት 02 /04/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 06/04/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ቢሮ ቁፅሪ 12 ዕደጋ ክፍሊ ክትወስዱ ትኽእሉ ምዃንኩም፡
➢ እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 06 /04/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::
መብርሂ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ምዃኑ ነፍልጥ::
Mekelle, Tigray, Ethiopia P.O. Box 69 Tel 0344 41-84-42 | Email [email protected]
ድሕሪት