መፀዋዕታ ጨረታ
ማሕበር አትክልት ፍራምረን ማእኸል ዕዳጋ መቀለ ኣብ ናይ 2018 በጀት ዓመት ኣብ ከተማ መቀለ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ፍሉይ ቦታ ኣብ ሚዘር 70 ካሬ ንዝስራሕ ፕሮጀክት ናይ ስትራክቸራል ኤሌክትሪካል ኮንዲት ዝርገሐን ሳኒተሪ ዝርገሐን G+1 ዘመናዊ ማእከል ዕዳጋ (mall) ደረጃ 4BC ወይ 5GC ልዕሊኡን ብርኪ ፍቓድ ስራሕ ዘለዎም ናይ ህንፃ ተቋረፅቲ ናይ ስትራክቸራል ስራሕ ናይ ኮንስትራክሽን ትካላት ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ።
✓ ተጫረቲ ንናይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ንምሰራሕ ሕጋዊ ፍቃድ ምስዘለዎም ትካላት
ዝተሰማምዕሉ ሰነድን ከምኡ ውን ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ናይ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላሬሽን ፣ ናይ ቲን ምዝገባ መረዳእታ ፤ ናይ ሰራሕ ተዃናተርቲ ዝተሓደሰ ብቅዓት
ከምኡውን ታክስ ክሊራንስ ኮፒ ከተሓሕዙ ኣለዎም ።
✓ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሒታት ከማልኡ ኣለዎም።
1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ናይ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላሬሽን ፣ ናይ ቲን ምዝገባ መረዳእታ ዘለዎም ከምኡ'ዉን ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ምዝገባ ስርቲፊኬት ፣ ናይ ሰራሕ ተዃናተርቲ ዝተሓደሰ ብቅዓት ከምኡውን ታክስ ክሊራንስ ዘለዎም ።
2) ናይ ጨረታ ውሕስና ብኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንክ ካብ ዝተፈቐደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስርተ ናይ ባንኪ ውሕስና “ናይ ገንዘብ ክፍሊት መእዘዚ (CPO) ወይ ብጥረ ገንዘብ ብር 50,000(ሓምሳ ሽሕ) ከቅርቡ ኣለዎም ።
3) ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሰራሕቲ ሳይት ካብ ዝትረከቡሉ ዕለት ብሙሉእ ዓቅሙ ክሰርሕ ዝክእል ።
4) ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ቴክኒካልን ፋይናንሻል ነነ በይነ ዶክመንት ሰነዳት ናይ ሰራሕ ተዃናተርቲ ዝተውሃበ ምዝገባ ካርድ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ፣ መቕረባይነት ምዝገባ ስርቲፊኬት ፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክላሬሽን ፣ ናይ ቲን ምዝገባ መረዳእታ "ውሕሰና ጨረታ/ቢድ ቦንድ/ ታክስ ክሊራንስ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖሰታ ሽም ዝረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝረአ ቐለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቐፅሪ ዓዲሓ ዕዳጋ ኣትክልትን GN ቢሮ ቤት መዘናግዒ ቀዳማይ ደብሪ, ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 17/06/2018ዓ.ም. ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይኽእሉ እዮም።
6) ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐረቡ ቅጥዕታት ብትኽክል መሊኦም ፤ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ እቲ ዶኩመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ፤ ቅደም ሰዓብ እቲ ዶኩመንት እንተይዛቡዑ እቲ ዶኩመንት ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጓደለ ኸቅርቡ ኣለዎም።
7) እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 17/06/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ተኣዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 17/06/2018 ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቢሮ ኣትክልትን GN ቢሮ ቤት መዘናግዒ ቀዳማይ ደብሪ, ኸፈት እዮ።
8) እቲ ማሕበር ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0914305511 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ።
ድሕሪት