ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባዕሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ገባሪ ሰናይ ትካል MI ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ ዝርከባ ቤት ኣብያተ ት/ቲ ኣብ 16 ሎታት ከፋፊሉ ኩሸና (kichen) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ
➢ በቲ ዘርፊ ደረጃ -7 ን- ልዕሊኡን ዝኾንኩምን ንትራክተራት ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 13 /02/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 24 /02/ 2026 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።
➢ ሓደ ተጫራታይ ኣብ ሰለስተ ምወድዳር ዝኽእል ኮይኑ ልዕሊ ሓደ ሎት እንድሕር ስዒሩ ግና ሓደ ሎት ጥራሕ መሪፁ ዉዕሊ ይኣስር 'ሞ እቲ ካሊእ ሎት ንካልኣይ ዝወፀ ይዋሃብ።
➢ ተጫራታይ ብዝወሰዶ ሎት ልክዕ CPO የስርሕ፤ ንሕድሕድ ሎት ብር 100,000.00 እዩ።
➢ እቲ ጨረታ ዕለት 24 /02/2026 ኣፈ ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ቴክኒካል ደኩመንት ጥራሕ ይኸፈት :: ፋይናነሻል ደኩመንት ዝሓዘ ሰነድ ድማ ቴክኒካል ምስተኸፈተ መዓዝ ከምዝኸፈት ብምልክታ ዝግለፅ ይኸዉን።
ምስ ሰላምታ
Tel 0344 41-84-42
ድሕሪት