ናይ ጨረታ ምልክታ
ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ መምርሒ ኣሰራርሓ ኣወዳዲሩ ከሐትም ስለ ዝደለየ እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ትካላት ንክትሳተፉ ይዕድም።
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግበኦም ሪ ታ
1. በዚ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ፍቓዶም ዝተሓደሰ ናይ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ኸፊሎም ንግዲ ናይ ቀረ መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉን።
2. ቲን ቁፅሪ ዘለዎምን ቫት /TOT/ መዝገብቲ ምዃና
3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ካብ ጠቕላላ ዋጋ 2% ትግራይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብCPO ብሽም ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ከትሕዝ ዝኽእል።
4. ተጫረቲ እቲ ዝመልኡዎ ዋጋ ምስ ቫትን ብዘይ ቫትን ኢሎም ብንፁር ክመልኡዎ ይግባእ።
5. ካብዚ ናይ ቤትፅሕፈትና ዋጋ መቕረቢ ወፃኢ ዝቐረበ ተቐባልነት ስለዘይበሉ ኣብዚ ዝተውሃበኩም ዋጋ መቕረቢ ጥራሕ ይምላእ።
6. ሰዓራይ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ስራሕ መ¦በሪ ውዕሊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ክ ካብ ናይ እቲ ውዕሊ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ ኣትሒዙ ውዕሊ ክፍርም ኣለዎ።
7. ሰዓራይ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20 ተከታታሊ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ኣምፂኡ ከረክብ ዝኸእል።
8. ቤት ዕዮ ከም ኣድላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ክሳብ 20%/ዒስራ ሚኢታዊ/ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምውሳ መሰል ኣለዎ።
9. እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማለኡ ትካላት ካብ ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ፋይናንስ ክፍሊ 6ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 25 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኽፋል ካብ ዕለት 18/05/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 27/05/2018 ዓ/ም ክትገዝኡ
ትኽእሉ።
10. እዚ ጨረታ ዕለት 27/05/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ ኣፍቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ 6ይ ደብሪ ፋይ/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 19 ይኸፈት።
11. እዚ ጨረታ ግልፂ ዘይኾነሉ ዝኾነ ሕቶ ዘለዎ ኣካል ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ክቐርብ ኣለዎ።
12. ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ፦ሞባይል፡ 0914-765289/0914700869
ኣድራሻ፦ ኣብ ጥቓ ዋና ቤትፅሕፈት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ህንፃ ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ፋይ/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 19 6ይ ደብሪ እዩ።
ድሕሪት