ምልክታ ፕሮፎርማ
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ መጋረጃ ጨርቂ ምስ ኣክሰሰሪን መግጠሚኡን ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ከዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም::
1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ።
2. ናይ መቕረባይነት ምዝገባ ሰርትፊኬትን II ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ።
3. ቫት ተመዝገብቲ እንተኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ክኸውን ኣለዎ፡፡
4. ሻት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሻት ዲክለሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉ።
5. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ የገልግል።
6. ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ኣብ ውሽጢ 7' መዓልቲ የረክቡ፡፡
7. ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ 07/05/2018 ክሳብ 13/05/2018ዓ/ም ስዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ይኸውን፡፡
8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0914-752718 ወይም ብኣካል ብምምፃእ ዓዲ ሓ ጥቓ ገነት መዕደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ትካልና ምርካብ ይከኣል እዩ፡፡
| ተ/ቑ | ዓይነት ንብረት | መፍለይ ቑፅሪ | መዕቀኒ | በዝሒ | ነ/ዋጋ | ጠ/ዋጋ | መብርሂ | ||
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳ | ብር | ሳ | ||||||
| 1 | ናይ መጋረጃ ጨርቂ ምስ ገበሩ | ሜትሮ | 15 | 1ይ ደረጃ | |||||
| 2 | መድረቒ ምስ ቀለበቱ ምስ መግጠሚኡ | ሜትሮ | 30 | 1ይ ደረጃ | |||||
| 3 | ሻተር | ሜትሮ | 30 | 1ይ ደረጃ | |||||
| 4 | ቤልት | ብቑፅሪ | 02 | 1ይ ደረጃ | |||||