ምልክታጨረታ
ቤት ፍርዲ ወረዳ ፃዕዳ እምባን ኣብ ዓመት 2018 ዓም ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፡ ኤለክትሮኒክስ ፣ሕትመት፣ ፅሬት ኣቑሑት፡ ብግልፂ ጭረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብ ቤት ፅሕፈትና ሰነድ ጨረታ ወሲድኩምን እዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ብምምላእ ክትረቱ ከምእትክእሉ ክነፍልጥ ንፈቱ።
1. ናይቲ ዝወዳደርሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምስ ሰነድ ኮፒ ዘቅርብ 2ሰነድ መዐደጊ ዘይምለስ 100 ብር ዝኸፍል።
3. ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 24/04/2018 ዓም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 4 /05/2018 ዓ/ም ንተከታታሊ 10 መዓልትታት ይከዉን።
4. ጨረታ ሰነድ መረከቢ ግዜ ክሳብ ዕለት 4/05/2018 ዓ/ም ስዓት 800 እዩ።
5. ጨረታ መክበሪ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጭሬታ ምክፋቱ 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ) ዘትሕዝ።
6. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እዚ ጨረታ ካብ ዝዕፀወሉ መዓልቲ ተጫራታይ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ዕለት 04/05/2018 ዓ\ም ስዓት 8፡30 ይከውን። ተጫረትቲ እንተዘይተረኾቦም ሳንዱቕ ጨረታ ንምክፋት ኣይኸልክልን
7. ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ስም፣ ፌርማን ሕጋዊ ማህተም ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ ጨረታ ክግበሮ ኣለዎ::
8. ሰዓራይ ምስ ተፈለየ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ውዕሊመክበሪ ብስፒኦ/ጥረ ገንዘብ ዘትሕዝ።
9. ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ደብዳቤ ካብ ዝፈለጠለ (ዝተፅሓፈሉ) ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 7 ተ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ኣታዊ ይገብር አታዊ እንተዘይገይሩ ዘትሓዞ ዉዕሊ መክበሪ ብር ተወሪሱ ብሕጊ ይሕተት፡፡
10. ኣብዚ ጨረታ ዝኮነ ተጨራታይ ኮነ ኢሉ ነቲ ጨረታ ዘባብዕ ወይ ክዓ ከብዕ ዝመክር ዘትሕዞ መክበሪ ጨረታ ተወሪሱ ብመምርሒ ዕደጋ ብ/ክ/መ/ት ቁፅሪ 255/2007 ብዝእዝዞ መሰረት ናብ ሕጊ ቀሪቡ ተሓታታይ ይከዉን፡፡
መተሓሳሰቢ
ዝርዝር ናይ ጨረታ መምርሒ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጥ ምኳኑ ንሕብር
ናይ ጨረታ መምርሒ
1. ብንግዲ ስራሕ ዝተሳማረየ ምዃኑ ዝወሃቦ መፍለዩ-t card ኮፒን ዘቅርብ።
2. ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንምስታፍ ዝተዉሃቦም ናይ መቅረባይ ካርዲ ኣብ እዋን ጨረታ ኮፒን ዘቅርብ።
3. እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛብዐ ካብቲ ጨረታ ዝወፅእ ኮይኑ ዘትሓዞ ጨረታ መክበሪ ተወሪሱ በቲ ናይ ክልል ትግራይ
ዕድጊት መምርሒ ዝድንገግ ብሕጊ ተሓታታይ ይከዉን።
4. ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን መመሓየሺ ኣብ ጨረታ ሰነድ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቀድን።
5. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት እቲ ጨረታ ስዓራይ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ድሕሪ 3 ናይ ጥርዓን መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ 3 (ሰለስተ) ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ዉዕሊ ይኣስር።
6. ኣብቲ ጨረታ ከይዲ ቅሬታ እተሃይልዎ ዉሳነ ካብ ዝረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3 (ሰለስተ) ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥራሕ ቅሬትኡ ናብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ብፅሑፍ ከቅርብ ኣለዎ።
7. ኣብቲ ጨረታ 2 ን 3ን ደረጃን ዝኮኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ጨረታ ዝስዓረ ኣካል ዉዕሊ ምስ ኣሰረ ሽዑ ንሽዑ ይምለሰሎም
8. እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስ ተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ዝግባእ ንብረት ካብ ጠቅላላ ገንዘብ በቲ መምርሒ
ዝፈቅዶ 20% ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰል ኣለዎ።
9. ስዓራይ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ 10% ዉዕሊ መክበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፡፡ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕለ ኩሉ ወፃኢ ሸፊኑ ኣብ ዉሽጢ 7 ናብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ዘረክብ።
10. እቶም ዝቀረቡ ኣቁሑት በቲ ዝወፅእ እስፔስፊኬሽን እንተዘይኮይኑ እቲ ዝመፀ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት
ተመላሽ ገይሩ በቲ እስፔስፊኬሽን መሰረት ከምፅእ ግዴታ ኣለዎ።
11 ተራታይ ካብቲ ናይ ትግራይ መምርሒ ዕድጊት ወፃኢ ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ ተወዳዳራይ ኣብ ዝኮነሉ በቲ ናይ ትግራይ ዕደጋ መምርሒ ዝተኣናገድ ምኳኑ ፈሊጡ ናይ ባዕሉ መምርሒ ከቐምጥ ከም ዘይብሉ እንተቀመጠ እዉን ተቀባልነት የብሉን።
12. ቤት ዕዮና ተጫራታይ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ናይ ምክፋት መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
13. ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝድለ መግለፂ ምኳኑ እናተረጋገፀ የረክብ።
14 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠለ ኣብ ወረዳ ሃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ እዩ
15. ናይ ጨረታ ፖስታ ንምርካብ ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ቤት ፍርዲ ዉሽጢ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይከዉን።
16. ቤት ፅሕፈትና ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
17. ተጫረቲ ዘእተዉዎ ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝክፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ቀፃሊ 30 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝንዕ ይከዉን።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁዕሪ 0914403499 ደዊሎም ምሕታት ይከኣል።