ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ICPC Project ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዓበይቲ ምግቢ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ሕጋዎት ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም ።
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል
3. ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል
4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብአካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል
6. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ፅሬቱ ዝሓለወ ክክውን ይግባእ
7. ተጫራታይ ሳዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 7ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት አታዊ ክገብር ዝክእል
8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን
9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ
10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 21/04/2018 ዓ.ም ክሳብ 27/04/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/04/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብለ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን
11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኽእል
12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት
13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ
ድሕሪት