ምልክታ ፕሮፎርማ
ቁፅሪ ዳዕን ምም/ር 06 /2018
ዕለት:- 16/04/2018 ዓ/ም
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2018 ንቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንትን ምክትል ፕሬዚደንትን ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ክልልን ፌደራልን ባንዴራ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት
✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2017/2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡
✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡
✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡
✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 16/04/2018 ዓ/ም ይኸውን፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/04/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዕለት 21/04/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሸጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይ ዕን ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 04 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ይኮዉን፡፡
✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሽናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብፅሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፡፡
✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረለ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር
✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡
✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡
ድሕሪት