ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕል ናይ ፈርኒቸር አቅሑት (Furniture Materials) ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (TIn Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ መስከረም ወርሒ 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2018 ዓ.ም፤
5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ(CPO) ብር 15,000.00 ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልእዎ ዋጋ መክባሪ ውዕሊ ብምቅራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 05 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፣
8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር
እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።
9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
10. ተካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣
11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 435 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣
12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣
13. እዚ ጨረታ ዕለት 15/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት፡፡
ድሕሪት