ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 03/2018 ዓ/ም
ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ፅገና ኮምፒተር፣ ፕሪንተርን ተዛመድትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒ እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም::
■ በቲ ዘርፊ ናይቲ ዘመን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም መረዳእታ ዘቕርቡ፣
■ ናይዚ ዘመን መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዝኸእሉ፡
■ ግብሪ ከፋላይ መፍለዪ ቁፅሪ (Tax Identification Number) ከቕርቡ ዝኸእሉ፣
■ ተወዳደርቲ መረዳእታኹም ፎቶ ኮፒ ገይርኩም ዋጋ መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምትሕሓዝ ካብ ዕለት 30/03/2018 ዓ.ም ክሳብ 02/04/2018 ዓ.ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ (ፎቕ) ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳርን) ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኸተእትዉ ንዕድም፣፣
■ ዝቐርብ ደኩመንት ብንፁር ብዝረኣየሉ መንገዲ ኮፒ ተገይሩ ክተሓሓዝ ኣለዎ ብንፁር እንተዘይተራእዩ ግን ካብ ዉድድር ወፃኢ ከምዝኸውን ነፍልጥ፡፡
■ እቲ ትመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓለ ጊዜ እንተንኣሰ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ን7+ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን፡፡
■ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ዓይነትን በዝሕን ኣቑሑት
| ተ.ቁ | ዝርዝር ንብረት | መፍለይ | መለክዒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | መብርሂ | |
|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳን | ||||||
| 1 | ኮምፒዩተር | ሶፍት ዌር ፅገና | ቁፅሪ | 01 | |||
| ሃርድ ዌር ፅገና | |||||||
| 2 | ላፕ ቶፕ | ሶፍት ዌር ፅገና | ቁፅሪ | 01 | |||
| ሃርድ ዌር | |||||||
| 3 | ፎቶ ኮፒ ዕገና | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 4 | ፕሪንተር ፅገና | ቁፅሪ | 01 | ||||
ንተወሳኺ ሓበሬታ:- ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምም/ር) ብኣካል ብምቕራብ ወይ ብቁፅሪ ስልኪ 0342400009 ምሕታት ይከኣል።
መቐለ - ትግራይ - ኢትዮጵያ 0342-400009 ፋክስ/Fax 0344- 406736
ድሕሪት