ዕለት 16/03/2018 ዓ/ም
ቁፅሪርዕ/ንብ/ምም/ክ/ከ/ሓ/18
ናይ ፕሮፎርማ ምልክታ ቁፅሪ 005
ክፍለ ከተማ ሓድነት ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንናይ ፖሊስ መኪና መለዋወጢ ንምዕዳግ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቁሓታት ተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።
ናይ ተጫረቲ መምርሒ ፦ ተጫረቲ /ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ፦
1. ዝተኣሸገ ፖስታ ፤ ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ በቲ ዘርፉ፤ግብሪ ከፋላይ ሰርተፊኬት(ቲን)፤
ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎ፤እንትኾን ዋጋ ዝመልኦ ኣካል ፊርማን ማህተምን ክገብረሉ ይግባእ፤
2. ፕሮፎርማ ዝቀርበሉ ዕለት እቲ ምልክታ ካብ ዝወፀአሉ ዕለት 16/03/2018 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 19/03/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 3፣30 ተዓፂዩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት ቁፅሪ 22/2ይ ደብሪ በቲ ዕለት 19/03/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 4፣00 ንጎሆ ይክፈት።
3. ተወዳደርቲ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ ቲን ናምበር ፣ ዝተሓደስ መቅረባይነት ፣ መረዳእታ ምስቲ ፕሮፎርማ ኮፒ ከተሓሕዝ ይግባእ፤
4. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።
5. ተወዳደርቲ ወይ ከዓ ወኪላቶም ብዘይ ምርካቦም ከይተኸፈተ ዝምለስ ሰነድ ፕሮፎርማ ኣይህልውን፤
6. ኣብ መንጎ መቅረባይን ቤት ፅሕፈትን መቅረባይ ዝሃቦ ናይ ዋጋ መግለፂ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።
7. ዋጋ ፀንዑ ዝፀንዐሉ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7 መዓልቲ ይኸውን
8. ዝሰዓረ ተወዳደራይ ናይ ዝስዓሮ ዓይነት ንብረት ደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ትካልና ወይ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከ/ሓድነት ብናይ ባዕሎም መጎዓዚ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎ።
9. ኣድራሻና ቅሳነት ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምብፃሓካ ዝርከብ ኮይኑ ንተወሳኺ ሓበሬታ
ስልኪ ቁፅሪ 0913200951 ወይም 0987313391
ድሕሪት