ምልክታ ፕሮፎርማ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቤት ፅሕፈት ምልሻ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስን ሞተር ሳይክል ስፔር ፕሮፎርማ ብምልጣፍ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡
ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ድማ ከተሓሕዝ ዝኽእል ብምም
2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 11/03/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 15/03/2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 2018 16/03/2018 ዓ/ም03፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 04፡00 ይኸፈት ፡
3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።
4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።
5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስ ተኸፈተ ን7' ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡፡
6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል ፡
7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ፡
8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ።
ምስ ሰላምታ
0344-406747/0344-408501/0344-406839
ድሕሪት