1 በዚ ዓዉዲ ዝምልክተኩም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ትካላት ዝኮንኩም
2 በቢሮ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ሕርሻ ሃፊቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣብ ኢትዩጰያ ንግዲ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 1000539035658 ኣታዊ ገይርኩም ቅብሊት ሒዝኩም ብምቅራብ እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 12 ካብ ቢሮና ጉጅለ ዕደጋ ምዉሳድ ትክእሉ
3 ተወዳደርቲ ናይ ሎሚ ዘበን ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ : ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /TIN/: ናይ መቅረበቲ ምዝገባ ሰርተፊኬት : ቫት ሰርተፊኬትን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሪፖርትን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ምትሕሓዝ የድሊ
4 ተጫረቲ መምርሒ ጨረታ ብጥንቃቀ ተረዲኦም ክወዳደሩ አለዎም
5 መከበሪ ጨረታ ቢድቦንድ ኣብ ጨረታ ሰነድ ዝተጠቀሰ መጠን ገንዘብ ብሽም ቢሮና ዝተሰርሐ ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፈቱ አትሒዞም ምቅራብ የድሊ
6 ቢሮናይ ናይቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
7 እቲ ጨረታ 22/3/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ክርከቡ ዝደልዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቢሮና ዕደጋ ክፍሊ ይክፈት
8 ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሐበሬታ 0344 403663
ድሕሪት