1 ናይዚ ዘመን ግብሪ ዝከፈለ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን ተወሳኪ እሴት ታክስ መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎ
2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 21/2/2018 ዓም ክሳብ 5/3/2018 ዓም ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ዕድጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይከኣል
3 ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 5/3/2018 ዓም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዎ ይክፈት እንተዘይሃሊዎም እወ ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ይክፈትን ይግምገምን
4 ናይ ጨረታ መክበሪ 15000 ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይድማ ስፒኦ እዞ ወይ ድማ ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ይግባእ
5 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብዝተዓሸገ ፖስታ የቅርብ
6 ሰዓራይ ምስዓሩ ምስፈለጠ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዕሊ ይኣስር
7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
8 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና የቅርብ
ኣድራሻና ዓይደር ሪፊራል ሆስፒታል ታሕተዋይ በሪ 0914096890
ድሕሪት