ቑፅሪ 22 /ዕ/ም/ር/ን/2018 ዓ/ም
ዕለት 19/02/2018 ዓ/ም
ምልክታጨረታ
ወረዳ ሰሓርቲ ቤትፅሕፈት ል/እቶትንምም/ር ፋይናንስንን ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝትዉዕል ፅሕፈት መሳርሕ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ እዚ ዝስዕብ ረቛሒ ክተማልኡ ይግባእ።
1. ዝተሓደሰ ናይ 2018 ዓ.ም ንግዲፍቓድ፣
2. ቲን ነምበር፣
3. ዝተሓደሰ መቕረባይነትን
4. ናይ 2018 ዓ.ም ቫት ዲክለር ዝተገበረ መረዳእታ ዘቕርብ::
5. ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 19/02/2018ዓ.ም ክሳብ 2/03/2018ዓ.ም ካብ ከ/ስራሕ ዕ/ን/ምም/ር ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100 ብምኽፋል ክወስዱ ይኽእሉ፡፡
6. ናይ ጨረታ ሰነድ ብኦርጅናልን ኮፒን ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ 2/03/2018 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታው ይኽእሉ፡፡
7. እቲ ጨረታ ዕለት 2/03/2018ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓሺጉ ሰዓት 8፡45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት::
8. መኽበሪ ጨረታ ብር 3000 /ሰለስተሽሕ/ ብ ሲፒኦ፣ብዝተረጋገፀ ናይ ባንኪ ቼክ ከትሕዚ ዝኽእል
9. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ ኣማራፂ ተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
NB ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑዕሪ ስልኪ 0914199837/0940960145 ደዊሎም ምሕታት ይኽእሉ ::
መምርሒ ጨረታ
ዝኾነ ተጫረታይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ መምርሕታት ተግብራዊ ክገብር ይግባእ
1. ኣብ ጨረታ ዝሳተፍ ተጫረታይ ውሽጢ ዓዲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ከም ኣድላይንቱ ወርሓዊ ዲክለሬሽን /ሪፖርት/ ዘቅርብ ምዃኑ፣
2. ቲን ቁፅሪ(Tin No.) ዘለዎ
3. መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎ
4. ኣብ ጨረታ ሰነድ ግልፂ ንዘይኾኑ ሓሳባት ብፅሑፍ ምሕታት ይከኣል፣
5. እቲ ዝቐርብ ጨረታ ሰነድ ዝተማልአን ግልፅ ንክኸውን ኣለዎ ስርዝ ድልዝ እንተኾይኑ እዉን ናይ ብዓል ዋና ፊርማ ክዓርፎ ይግባእ፣
6. ተጫረታይ ካብ ናይ ጨረታ ሕጊ ወፃኢ ከጭበርብር እንተተረኺቡ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኸውን ክፈልጥ ኣለዎ፤
7. ዝኾነ ተጫረታይ በቲ ዘርፊ ፍቃድ ዝተመዝገበ ክኸውን ኣለዎ፣
8. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዎን 28 መዓልቲ ይኸውን፣
9. ተጫረታይ መኽብሪ ጨረታ ሰነድ ብር = 3000 /ሰለስተሽሕ/ ብሲፒኦ፣ ፣ብዝተረጋገፀ ናይ ባንኪ ቼክ ከቅርብ ኣለዎ ተጫረታይ መኽብሪ ጨረታ ብጥረገንዘብ ዘይንቕበል ወይም ዘይከኣል ምኻኑ ንገልፅ ።
10. ሰዓራይ ናይ ዝስዓሮ ንብረት 10% ትሕጃ ከትሕዝ ይኽእል፣
11. ሰዓራይ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ወረዳ ስሓርቲ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ኣታዊ ክገብር ኣለዎ፣
12. ብውዕሊ መሰረት ንብረት ዘያረከበ ካብ ውዕሊ መወዳእታ መዓልቲ ጀሚሩ 1/1000/0.001/ ቅፅዓት ከም ዘለዎ ክፈልጥ ኣለዎ፣
13. ዝኾነ ተወዳደራይ በቲ ዝወፀሉ ስፐስፊኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝኽእል፣
14. ዝኾነ ተወዳደራይ ኣሸናፊነቱ ምስ ተገለፀሉ ውዕሊ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ኣብ ወረዳ ስሓርቲ ቤትፅሕፈ ትልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስን መፂኡ ክኣስር ይኽእል፣
15. ኣብ ዝቐረበ በዝሒ 20% ንብረት ምውሳኽ ወይ ምቅናስ ይኸእል፣
16. ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝቐርብ ሕድሕድ መረዳእታ ማህተምን ፊርማን ክዓርፎ ይግባእ፣
እዚ መምርሒ እዚ ብዝግባእን ብጥንቃቐ ክንበብይ ግባእ!