ን2 ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንሰ ኣደዳይ ንቤት ፅሕፈት ዘገልግሉ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሕት/ፕሪንተር ወረቀ/ ኣብ በጀት ዓመት 2025/2026 ኣፈ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
1) ዝርዝር ዕድጊት ዝፍፀሙ ኣቑሑት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣድራሻ 1ይ ወያነ ቀበሌ 11 ናይ ኮረኮንቺ ታክሲ መሳፈሪ ዳዊት ህንፃ መፂኹም ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ምውድዳር ይከኣል።
2) ኣብዚ ጨረታ እትሳተፉ ከታማልእዎ ዝግባእ ርቋሒታት:-
• በቲ መስመር ዝወፀ ናይ 2017/18 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቕድ ዘለኩም:
• መፍለዩ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ (TIN) ዘለኩም፣ ምስክር ወረቐት መቕረባይነት ከቕርቡ ዝኽእሉ:
• ቫት ሰርቲፌኬት ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝገልፅ :
• ናይ ወርሓዊ ቫት ዲክላሬሽን ሪፖርት ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡
3) ትካልና ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕሉ ሰነድ መሊኡ ምቕራብ ኣይከኣልን፣
4) ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ 300.00 (ሰለስተ ሚኢቲ ብር) እናኸፈልኩም ምግዛእ ትኽእሉ፣
5) ዝርዝር ዋጋ መግለፂ ጨረታ ካብ ዕለት 18/10/2025 ኣፈ (08/02/2018 ዓ.ም) ክሳብ ዕለት 27/10/2025 ኣፈ (17/02/2018ዓ.ም) ሰዓት 8፡30 ኣብ ዝተፈቐደ ቦታ ኣብ ኣየር ይፀንሕ፡፡ ጨረታ መኽፈቲ ዕለት 27/10/2025 ኣፈ (17/02/2018 ዓ.ም) ሰዓት 9፡00 ቦታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ይኸውን ፡
6) ንሕድ ሕድ ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ 10,000.00/ዓሰርተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ጥራሕ ኣብ እዋን መኽፈቲ ጨረታ ከትሕዝ ዝኽእል፣
7) ዝምላእ ዋጋ ብመሰረት ቀሪቡ ዘሎ ሳምፕል ብኣካል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት መፂእኹም ብምርኣይ ክኸውን ይግባእ፣
8) ዘሸነፈ ተጫራታይ ካብ ዝግለፀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ዋጋ 10 ሚኢታዊ መኸበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ውዕሊ ከኣስር ዝኽእል፣
9) ሰዓራይ ዝኾነ ትካል እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርትን ወፃእን ናብ ትካልና ከኸቅብብ ዝክእል፣
10) ትካልና ማ/ኣ/ማ/ፋይናንስ ኣደዳይ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ::
ድሕሪት