ምልክታ ግ/ ጨረታ ቀፅሪ-01
ዕለት 05/02/2018ዓ/ም
ቁፅሪ ጉደ/773/11/18
ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ክልል ትግራይ ካብ መደበኛ በጀት ናይ መከና ጎማ ብርጅስቶን M755 ብተወሳኺ ድማ ፉሩይ ጥርሱ : ብርጅስቶን ጎማ ምስከላመደሪያኡ ምስ ከላመደሪያኡ ኣጨሪቱ ክገዝእ ስለዝደለየ ኣብቲ ጨረታ ክሳተፋ ትደለዩ ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፅሉ ዕለት05/02/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 14/02/2018 ዓ/ም ዘለዉ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰነድ ጨረታ ብር 100 (ሓደ ሚኢቲ) ብር ብምግዛእ ካብ ቢሮና ክወስዱ ትኸእሉ።
1. ተጫረቲ ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ መቕረባይነት መታወቂያ ናይ ግብሪ ከፋላይን (TIN መረዳእታ VAT ተመዝጋባይ ዝኮነ ናይ ወርሒ ሓምለ 2017 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረ) ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ብ C.P.O 5000 ከቕርብ ዝክእል
2. ተጫረቲ ዝጫረትሉ ዋጋ ብቢሮ አብ ዝተዳለወ ዋጋ መቕረቢ ቕጥዒ ብምምላእ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ዝተገለፀ ግዜ ኣብ ቢሮና ኮምፕሌክስ ህንፃ 4ይ ብሎክ 4ይ ፎቅ ቁፅሪ 228 ናብ ዝርከብ ሳንዱቕ ጨረታ ከእትዉ ዝክእሉ ።
3. ተጫራታይ ንዝሰዓሮም ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ 4.እቲ ጨረታ ጥቅምቲ 14/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ጥቅምቲ 14/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት .
5. ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት 10% መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዙ ዝክእሉ።
6. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዊ'ዩ።
7. ቤት ዕዮ ጨረታ ሰዓራይ አብ ዝምረፀሉ እዋን ዝግዛእ ዓቅሓ ወይ ግልጋሎት ዓቀን ወይ ዋጋ ከምአድላይነቱ ካብ ነፍሲ ወከፍ ነፀላ አቅሓ 20%/ዒስራ ሚዒታዊ/ናይ ምቅናስ ወይ ምዉሳኸ መሰሉ ዝተሓለወ ምኻኑ
8. ኣብቲ ትመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ
9. አብቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ተሓሊይዎ እቲ ዝተሰረዘ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይኾን
10. ሽምን ክታምን መቕረባይ
መብርሂ ፦ሕድሕድ ናይ መወዳደሪ ደኩመንት ንፁር ኮይኑ ክቀርብ አለዎ
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብ ስልኪ ቁፅሪ 0344 41 05 04 ደዊልኸ ምሕታት ይካአል
ድሕሪት