ምልክታ ግልፂ ጨረታ ህንፃ መሳርሕን ኤሌክትሮኒክስን
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣብ ከተማ መቐለ ንዘስርሖ ዘሎ ህንፃ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ናይ ኮንስትራክሽንን ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕሉ ኤሌክትሮኒክስን ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፤
ሎት-1: - ህንፃ መሳርሒ
ሎት-2: - ኤሌክትሮኒክስ
1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት (TIN)፣ ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኽእሉ።
2. ተጫረትቲ ብር 20,000 (ዒስራ ሽሕ) ናይ ጨረታ መኽበሪ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ (cpo) ወይ ድማ ኣብ ኹነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ፤ካብዚ ወፃኢ ጥረ-ገንዘብ ከምዘይንቅበል ነፍልጥ።
3. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 300 (ሰለስተ ሚእቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኽእሉ።
4. ሎት-1: - እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 09/01/2018 ክሳብ 15/01/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 15/01/2018 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ይኽፈት፤
5. ሎት-2: - ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ካብ ዝጅመረሉ ዕለት 13/01/2018 ክሳብ 21/1/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትካልና ይኽፈት። ተጫረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኸፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
6. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብ ቁፅርታት ስልክ 0967-568418/0967-557103 ምሕታት ይኽእሉ።
ድሕሪት