ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንUNEPA መቐለ፣ ዓዲግራትን ማይጨዉን ሴፍ ሃዉስ ግልጋሎት ዝዉዕል፡-
• ናይ ህፃናት ምግቢ
• ናይ ፅሬት ናዉቲ
• ናይ ፅሕፈት መሳርሒ
ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ሕጋዎት ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትዳደሩ ንዕድም ፡፡
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል
3. ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል
4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል
6. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ፅሬቱ ዝሓለወ ክክውን ይግባእ
7. ተጫራታይ ሳዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 7ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት አታዊ ክገብር ዝክእል
8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን
9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ
10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐለ ግዜ ካብ ዕለት 05/01/2018 ዓ.ም ክሳብ 13/01/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 13/01/2017 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎ ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን
11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኸእል
12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን
13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ
ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ
መቐለ
ድሕሪት