ምልክታ ግልፂ ጨረታ ስራሕቲ ምምኻር ግልጋሎት
ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን፣ ንግድን ኢንዳስትሪን ሆርን ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ዓብይዓዲ ዝርከብ ዲዛይን ዝፀደቐሉ ናይ ቀለምን ኳርቲዝን ፋብሪካ ፕሮጀክት ስራሕቲ ህንፀት ብደረጃ ሰለስተን ወይ ልዕሊኡ ኣማኻሪ (ኮንሰልታንት) ስራሕቲ ክለሳ ዲዛይን፣ ውዕሊ ምሕደራን ሱፐርቪዝንን፣ ተቖፃፀሪ ፅሬት ስራሕቲ ህንፃ ንምስራሕ ስለ ዝደለና በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ኣማኻርቲ ትካላት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይዕድም።
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ
1. ኣብ ስራሕቲ ክለሳ ዲዛይን፣ ውዕሊ ምሕደራን ሱፐርቪዝንን፣ ተቖፃፃሪ ፅሬት ስራሕቲ ህንፃ ብሓፈሻ ኣብዚ ዘርፊ ስራሕ ግቡእ ብርኪ ፍቓድ ዘለኩም ኣማኸርቲ ትካላት ጥራሕ ክትጫረቱ ይዕድም፤
2. ዝተሓደሰ ናይ 2017 ዓ.ም ናይ ኣማኻሪ ፍቓድ ስራሕ ወይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ ናይ 2017 ዓ/ም
ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ስራሕ፣ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሰርተፊኬት፣ ቲን ቁዕርን ካልኦት ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሕጋዊ መረዳእታታትን ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ፤
3. በቲ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ኣዋጅን መምርሕን ብመሰረት ዝእዝዞ ናይ ወርሒ ሓምለ ወርሒ 2017 ዓ.ም ፀብፃብ (ቫት ዲክላሬሽን) መረዳእታ ዘቕርብ፤
4. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ኣብ ከተማ መቐለ ጥቃ ኣክሱም ሆቴል ዝርከብ ሰላም ሲቲ ሴንተር ህንፃ ሓምሻይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 505 ዘይምለስ ብር 500.00 (ሓሙሽተ ሚኢቲ) ብምክፋል
ክገዝኡ ይኽእሉ፤
5. እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ግዘ ክሳብ 10/01/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ረፋድ ኾይኑ ቀዳም ቅድሚ ሰዓት ሓዊሱ ኣብ ዘለው ኩሎም ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ምዃኑ ፈሊጦም ሰነድ ጨረታ ምዕዳግ ይኽእሉ።
6. ተጫረቲ ሰነድ ጨረትኦም ቴክኒካልን ፋይናንሻል ንነኒ በይኑ ዶክመንት ሓደ ዋና፣ ሓደ ፎቶ ኮፒ ጨረታ ሰነዳት፣ ናይ ስራሕ ኣማኸርቲ ዝተውሃበ ምዝገባ ካርድ፣ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ መቕረባይነት ምዝገባ ስርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ ናይ ወርሒ ሰነ/2017 ዓ/ም ዣት ዲክላሬሽን ፣ ናይ ቲን ምዝገባ መረዳእታ፣ ውሕስና ጨረታ/ቢድ ቦንድ/ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝረአ ቐለም ብምፅሓፍ ንቤት ፅሕፈትና ክሳብ ዕለት 10/01/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይኽእሉ፤
7. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ወይ ወኪል እንተድኣ ዘይተረኺቦም እውን እንተኾነ ዕለት 10/01/2018 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 10/01/2018 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት 5:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክኽፈት እዮ።
8. መኸበሪ ጨረታ ብር 50,000.00 /ሓምሳ ሽሕ ብር/ ካብ ዝተፈለጠ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ባንኪ ንልዕሊ 90 መዓልቲ ዝፀንሕ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ወይ ሲፒኦ ከትሕዙ ይግባእ።
9. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
10. ካልኦት ኣብዚ ምልክታ ጨረታ ግልፂ ዘይኮኑ ሓበሬታ ኣብ ጨረታ ሰነድ ብዝርዝር ምርኣይ ይከኣል።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪቁፅሪ 0914-035382/0914-706122 ምርካብ ይከኣል።
ድሕሪት