ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ንኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ኤሌክትሮኒክስን ናይ ፈርንቸር ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ነጋዶ/መቕረብቲ/ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።
ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሒታት
1. ተወሳኺ እሴት ታክሲ /ሻት/ ተመዝጋቢ ዝኾነ ናይ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ/ም ዲክለር ዝገበሩ ::
2. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል።
3. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ፍቓድ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል።
4. ናይ ግብሪ ኸፋሊ መለለይ ቑፅሪ (Tin Number) ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእልን።
5. መኸበሪ ጨረታ ንኤሌክተሮኒክስ 30,000.00/ሰላሳ ሽሕ ብር/ ንፈርንቸር 5,000.00/ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል ::
6. ተወዳደርቲ ንዘሸነፍዎ ንብረት ኣብ 15' ማዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ከቕርብ ዝኽእል።
7. ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ብር 100.00 ከፊልካ ብምውሳድ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተም፣ፊርማ ሙሉእ ኣድራሻ ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፅ ዝክእል ካብ ዕለት 04/13/2017 ዓ/ም ክሳብ 13/01/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኮፒን ኦርጅናልን ብምፍልላይ ምእታው ይኽእሉ:: ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኮይኑ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ዝክልክል ከም ዘየለ ።
8. ኣብ ናይ ዋጋ መቕረቢ ዝተመልአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30 ማዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ፣ ብተወሳኺ እዉን ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ንብረት ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ሓዊሶም ዝውዳደሩ ምዃኖም እናፍለጥና ሻት የወስኸ ወይድማ የቀንስ ዝብል ሓሳብ ወይ መብርሂ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ኣብ ሕድሕድ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩ ካብ ውድድር ዝወፅእ ምዃኑ "
9. .ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፊል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው ኾይኑ ብተወሳኺ እውን 20/5 ናይ ምውሳኽን ምቕናስን መሰሉ ዝተሓለ እንትከውን ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ መምልኢ ዋጋ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ጥራሕ ይወስዱ።
10. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344403100 ወይ ድማ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 308 ምሕታት ትኽእሉ ።
ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ
ድሕሪት