ምልክታ ግልፂ ጨረታ/ቁ 01/
ግልጋሎት ጋራዥ ንምርካብ ዝወፀ ምልክታ
ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ዳይሮክቶሬት ዳይረክተር ዕደጋን ፋይናንስን ንብ/ምም/ርን ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝህባ ዘለዋ ተሸከርከርቲ ግልጋሎት ጋራዥ/ፅገና/ ንምርካብ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣስር ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ረቋሓታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ይዕደም ።
1. ናይ 2017 /18ን ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቑፅሪ ብር 200.00/ ክልተ ሚኢቲ ቅርሺ / ከፊሎም ናይ ጨረታ ሰነድ ክወስዱ ይኽእሉ።
2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሰርቲፊኬትን ፤ቲን ዝተ ገብኩም ምዃንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመንት ከቕርቡ ዝኽእሉ ።
3. ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ /ቢድ ቦንድ/ ብር 10,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ብሽም ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ሕጋውነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም ።
4. ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 29/12/ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 20/01/2018 ዓ/ም እዩ ። ዝዕፀወሉ ስዓት ድማ 3:00 ስዓት ናይ ንጎሆ ይኸውን። ስለዚ ናብ ቤት ፅሕፈትና ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ከቕርቡ ይኽእሉ ።
5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 20/01/ 2018 ዓ.ም ስዓት 3:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት ።ከምኡ ውን ደኩመንት እንድሕር ተማሊኡ ንኸፍት ምዃንና ንሕብር።
6. ብቢሮ መንገዲ ትራንስፖርት ወይ ድማ ብወገን ቤት ፅሕፈት ሳልሳይ ደረጃን ልዕሊኡን ናይ ብቕዓት መረጋገፂ /ስታንዳርድ/ መረዳእታ ዝተውሃቦ ምዃኑ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል ።
7. ዝተማልአ ግቢ ፤ ናይ ቴክኒክ ብዓል ሞያን ማሽናትን ዘለዎ ፤ ናይ ባዕሉ ኤሌክትሪካን ቦደይ ማን ኢንጅን መፈተሺ ጉድጓድ ዘለዎ
8. ምስ ቤት ፅሕፈትና ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣስር ፍቓደኛ ዝኾነ
9. ሕድ ሕድ ገፅ ማህተም ፤ ዕለትን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ ከምኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝመላእኹምዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኾይኑ ተቐባልነት የብሉን።
10. እቲ ዝሽወጥ ሰነድ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ዝግመገም ኮይኑ ቴክኒካል 80% ፋይናንሻል 20% ዝዕቀን ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም ።
11. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
አድራሻ ስ.ቁ 0342409879
ቀበሌ 03 ዋና ኦዲተር ድሕሪ ኣግኣዚ ኦፕረሽን ምም/ር ዞባ መቐለ
ድሕሪት